12 እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥
ኣነ ግና፥ እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ፀለኹ፤ ንስኻውን ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣፀናንዓዮም” በሎ።
ቍፅሩ ምሳና እንትኸውን፥ ናይዝ ኣገልግሎት እዙይ ተኻፋላይውን ነበረ።
ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
ስለዙይ ከዓ እታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ረኺባ ተሃንፀት፤ ብፍርሓት እግዚኣብሄር እናተመላለሰት፥ ብመንፈስ ቅዱስ እናተፀናንዐት፥ ትበዝሕ ነበረት።
ከምኡውን ንሕና ብዙሓት እንትንከውን፥ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ድማ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና።
ኣገልግሎት እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኣገልግሎቱ ይትጋህ፤ ዝምህርውን፥ ኣብ ምምሃር ይፅናዕ፤
እምበኣር ኣሰር ሰላምን፥ ኣሰር እቲ ንስንሳትና እንተሃናነፀሉ ነገርን፥ ንስዓብ።
ኣሕዋተይ፥ ብሰናይ ነገርን፥ ብዅሉ ፍልጠትን ከም ዝተመላእኹም፥ ንስንሳትኩምውን ምምዕዓድ ከም እትኽእሉ፥ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣለኹ።
ነፍሲ ወከፍና፥ ንብፃይና ምእንቲ ኽንሃንፆ፥ ሰናይ ንግበረሉ፤ ነሐጕሶውን።
ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ ኸዓ፥ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመፅእ፥ እፈልጥ ኣለኹ።
እምበኣርከስ ንስኻትኩም፥ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ፥ ኣካላቱ ኢኹም።
ግናኸ ምግላፅ መንፈስ ቅዱስ፥ ንጥቕሚ ብዙሓት፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይወሃቦ እዩ።
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ውህብቶታት መንፈስ፥ ሃረር እትብሉ ኻብ ኮንኩም፥ እቶም ንቤተ ክርስቲያን ዝሃንፁ ውህብቶታት ክበዝሑልኩም ድለዩ።
ብቛንቋታት እንተ ፀለኹ፥ መንፈሰይ እዩ ዝፅሊ፤ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ።
እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ እንታይ ይሐይሽ? ክትእከቡ እንተለኹም፥ ንስንሳቱ መዝሙር ኣለዎ፤ ትምህርቲ ኣለዎ፤ ራእይ ኣለዎ፤ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ኣለዎ፤ ትርጉም ኣለዎ፤ ዅሉ ውህብቶ፥ ንምሕናፅ ይገበር።
ኣብ ቅድሜኹም፥ ንባዕልትና ኽንከላኸል ዝፀናሕናዶ ይመስለኩም? ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ፍቓድ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ ዘለና፤ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትህነፁ እዩ።
ብዝተረፈ፥ ኣሕዋተይ፥ ደሓን ኩኑ፤ ፍፁማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
ከምኡውን ንሕና ደኺምና፥ ንስኻትኩም እንተ ጠንኪርኩም ኢና እንሕጐስ። ፀሎትናውን፥ ንስኻትኩም ፍፁማን ምእንቲ ኽትኮኑ እዩ።
እቲ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ብኽብሪ ዘይግለፅ?
ስለዙይ፥ ከምቲ ምሕረት ዝተውሃበና፥ እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለዘለና፥ ተስፋ ኣይንቘርፅን ኢና።
እዝ ዅሉውን፥ ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ካብ ዝሃበና፥ እግዚኣብሄር እዩ።
ምእንቲ ኣገልግሎትና ኸይንቀፍ፥ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት፥ መዐንቀፊ ኣይንህብን ኢና።
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
ንሳ ኣካሉ እያ፤ ንኣኣን ንዅሉን ዝመልእ፥ ናቱ ምልኣቱ እያ።
ብክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ እቲ ሰብነት ብምሉኡ፥ በቲ ዝተውሃቦ መገጣጠሚ ተተሓሒዙን ተጠሚሩን፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ፥ ናይ ባዕሉ ስራሕ እናገበረ፥ ብፍቕሪ ይዓብን ይህነፅን።
እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፥ ከከምዘድልዮም ክሃንፅ ዝኽእል፥ ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ ዘይግባእ ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ።
ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተፀዋዕኹም፥ ሓደ ሰብነት፥ ሓደ መንፈስ ኣሎ።
ሕዚ ኸዓ ምእንታኻትኩም መከራ ብምቕባለይ እሕጐስ ኣለኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቲ ኻብ ክርስቶስ መከራ ዝተረፈ፥ ብስጋይ እምልእ ኣለኹ።
ንሕና ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ፍፁም ጌርና ምእንቲ ኽነቕርብ፥ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና፥ ንእኡ ንሰብኽ ኣለና።
ንኣክሪጳ ድማ “ነታ ብጐይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት፥ ከም እትፍፅማ” በልዎ።
ነቲ ኸገልግሎ ሓይሊ ዝሃበኒ፥ ከም እሙን ቈፂሩ ኸዓ፥ ናብዝ ኣገልግሎት እዙይ ዝሓረየኒ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ አመስግኖ ኣለኹ።
ሉቃስ በይኑ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ስለ ዝጠቕመኒ፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምሳኻ ተማልኣዮ።
ንስኻ ግና ዅልሻዕ ጥንቁቕ ኩን፤ ብጊዜ መከራ ፅናዕ፤ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፤ ኣገልግሎትካ ፈፅም።
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።
ስለዙይ ናይ ክርስቶስ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ሓዲግና፥ ናብ ፍፃሜ ንሕለፍ። ብዛዕባ ኻብቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ግብሪ ብንስሃ ምምላስ፥ ብዛዕባ ብእግዚኣብሄር ምእማን፥