10 እቲ ናብ ታሕተዋይ ዝወረደ ድማ፥ ንዅሉ ምእንቲ ኽመልእ፥ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝዓረገ፥ ንሱ እዩ።
እዝ ኵሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ንሱ ድማ “እዙይ እቲ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን መዝሙርን፥ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ኽፍፀም ግድን እዩ ኢለ፥ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይ እዩ” በሎም።
ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና።
ንስንሳቶም ከዓ “ንዝበፅሐ ኽበፅሖስ፥ ዕፃ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፥ ኣይንቕደዶ” ተበሃሃሉ። እዙይ ከዓ “እቲ ኽዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፤ ንቐምሸይውን ዕፃ ኣውደቑሉ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እቶም ወታደራት ከምዙይ ገበሩ።
ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኵሉ ኸም ዝተፈፀመ ፈሊጡ፥ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም “ፀማእኹ” በለ።
እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓፅሚ እኳ ኣይስበርን እዩ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
“ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።
እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ።
ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ።
እግዚኣብሄር ግና ክርስቶስ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኵሎም ነቢያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈፀሞ።
ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ሓደ ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብ፥ ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም ዝተወሰደ እፈልጥ። ብስጋኡ ይኹን ካብ ስጋኡ ወፃኢ ኣይፈልጥን እየ፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ።
ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።
ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽሓድር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ፍቓድ ኮይኑ እዩሞ።
ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ።
እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።
እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና፥ እምነትና ኣፅኒዕና ንሓዝ።
ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።
እምበኣር እቲ ኽንብሎ ዝደለና ቑም ነገር እዙይ እዩ፦ ንሕናስ ኣብ ሰማያት፥ ኣብ የማን ዙፋን ልዑል እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ ሊቀ ካህናት ኣለና።