1 እምበኣር ኣነ ምእንቲ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ነቲ ዝተፀዋዕኹምሉ መፀዋዕታ፥ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣለኹ።
ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።
ሄኖክ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣይተረኽበን፤ እግዚኣብሄር ወሲድዎ እዩሞ።
ኤርሚያስ ከዓ “ኣሕሊፎም ኣይህቡኻን እዮም፤ ክቐንዐካ ብህይወትውን ክትነብርስ፥ እዝ ዝብለካ ዘለኹ ቓል እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ።
ስለዙይ ከዓ እታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ረኺባ ተሃንፀት፤ ብፍርሓት እግዚኣብሄር እናተመላለሰት፥ ብመንፈስ ቅዱስ እናተፀናንዐት፥ ትበዝሕ ነበረት።
እግዚኣብሄር፥ ብውህብቶኡን ፃውዒቱን፥ ኣይናሳሕን እዩ እሞ።
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ስለዙይ ንኣይ ምሰሉ እናበልኩ እልምነኩም ኣለኹ።
ኣነ ጳውሎስ፥ ኣብ ቅድሜኹም ትሑት፥ ካባኻትኩም እንትርሕቕ ግና፥ ደፋር ዝተብሃልኩ፥ ብናይ ክርስቶስ ሕያዋይነትን ለውሃትን፥ እልምነኩም ኣለኹ።
ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና።
ሓቢርና መሳርሕቲ ከም ምዃንና፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፥ ንልምነኩም ኣለና።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝመሰልኩ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ክትመስሉ እልምነኩም ኣለኹ፤ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን።
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ስለዙይ ኣቱም ኣህዛብ፥ ኣነ ጳውሎስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ።
እምበኣርከስ፥ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም፥ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝኾኑ ሓሳባት ዝነብሩዎ ኸይትነብሩ እነግረኩም፤ ብጐይታውን እምስክር ኣለኹ።
ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተፀዋዕኹም፥ ሓደ ሰብነት፥ ሓደ መንፈስ ኣሎ።
ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።
ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል፥ ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን።
ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ፥ ናብቲ ዓስቢ ኣሸናፊነት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሄር መፀዋዕታ እጐዪ ኣለኹ።
ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና።
እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተቐበልኩምዎ፥ ብእኡ ንበሩ፤
እቲ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ፥ ሰላምታ የቕርበልኩም ኣሎ፤ ምሉኣትን ብዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ተረዲእኹም፥ ፍፁማት ኴንኹም ምእንቲ ኽትቆሙን፥ ተጊሁ ብፀሎት ይጋደል ኣሎ።
ነዙይ ብምሕሳብ፥ ኣምላኽና ንፃውዒቱ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም፥ ብሓይሉ ኸዓ፥ ነቲ ሰናይ ንምግባር ዘለኩም ድልየትን፥ ኵሉ ናይ እምነትኩም ተግባርን፥ ምእንቲ ኽፍፅመልኩም፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም ንፅሊ ኣለና።
ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።
እቲ ትምህርቲ ናይ መድሓኒና እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኵሉ ቕቡል ምእንቲ ክኸውን፥ ብዅሉ እሙናት ክኾኑ እምበር፥ ሰረቕቲ ኸይኾኑ መዓዶም።
ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
ክፉእ ክንዲ ኽፉእ፥ ፀርፊ ኽንዲ ፀርፊ ኣይትመልሱ፤ እኳ ደኣ፥ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ፤ ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ።
ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ።
ነቲ ብኽብሩን ሕያዋይነቱን ዝፀውዐና፥ ንእኡ ብምፍላጥና መለኮታዊ ሓይሉ፥ ንህይወትን ንመንፈሳዊነትን፥ ኵሉ ዘድልየና ሂቡና ኣሎ።
ሕዚ እውን እመቤት፥ ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነስ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ትእዛዝ እየ፥ ዝፅሕፈልኪ ዘለኹ፤ ንሱውን፥ “ንስንሳትና ኽንፋቐር” እልምነኪ ኣለኹ።