6 እዝ ምስጢር እዙይ ከዓ፥ ኣህዛብ ብወንጌል ምስ እስራኤል ሓቢሮም ወረስቲ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ፥ መኻፍልቲ ተስፋ ኸም ዝኾኑ እዩ።
ክኸውን ድማ እዩ፥ ንኣኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ውሉድ ዝወልዱ ጓኖትን፥ ርስቲ ጌርኩም ብዕፃ ምቐልዋ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ከም ደቂ ዓድኹም ክኾኑልኩም እዮም፤ ርስቲ ኽርስተዩ እዮም።
ከምቲ ሰብነት ሓደ እንተሎስ፥ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፥ እቲ ኣካላት ከዓ ብዙሕ እንተሎ፥ ሓደ ሰብነት ከም ዝኾነ፥ ክርስቶስውን ኸምኡ እዩ።
እምበኣርከስ ንስኻትኩም፥ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ፥ ኣካላቱ ኢኹም።
እዙይ ከዓ እቲ በረኸት ኣብርሃም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኣብ ኣህዛብ ምእንቲ ኽወርድ፥ ንሕና ኸዓ ተስፋ መንፈስ [ቅዱስ]፥ ብእምነት ምእንቲ ኽንቕበል እዩ።
እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።
ከምቲ ኣቐዲመ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ዝነበርኩ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ።
ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።
እምበኣር ምስኣቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም።
እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።
ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።
እዙይ ከዓ፥ እቲ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።