4 ነቲ ዝፀሓፍኩዎ እንትተንብቡ፥ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘለኒ ፍልጠት፥ ክተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።
ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢራት መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ፥ ንኻልኦት ግና እናረአዩ ኸይሪኡ፥ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉ፥ ብምስላ እዩ ዝንገሮም” በሎም።
ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።
ነቲ፥ ብመሰረት እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዝተገልፀ ምስጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ፥ ኣብ እምነትኩም ከፅንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ይኹኖ።
ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ።
እምበኣር ሰብ፥ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢራት እግዚኣብሄርን፥ ገይሩ ይቝፀረና።
ክእለት ዘረባ እኳ እንተ ዘይብለይ፥ ፍልጠትስ ኣይጐድለንን። እዙይ ከዓ ብብዙሕ መንገዲ ገሊፅናልኩም ኢና።
ሰናይ ፍቓዱ ኾይኑ ኸዓ፥ ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ኣቐዲሙ ዝወሰኖ፥ ናይ ፍቓዱ ምስጢር ኣፍለጠና።
ከምቲ ኣቐዲመ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ዝነበርኩ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ።
እቲ ኻብ ዘለኣለም፥ ኣብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይዝ ምስጢር እዙይ ኣገልግሎት፥ ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርህ ተውሃበኒ።
እዝ ምስጢርዙይ ዓብዪ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያንን፥ እምስሎ ኣለኹ።
ምእንታይውን፥ ክዛረብ እንተለኹ፥ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር፥ ቃል ክወሃበኒ ፀልዩለይ።
እዝ ምስጢር እዙይ፥ ካብ ዘለኣለም፥ ንውሉድ ወለዶ ተሰዊሩ ነበረ፤ ሕዚ ግና፥ ንቕዱሳኑ ተገልፀ።
እዙይ ከዓ፥ ልቦም ተፀናኒዑ ብፍቕሪ ሓደ ምእንቲ ክኾኑን፥ ምሉእ ናይ ምስትውዓል ሃብቲ ምእንቲ ኽህልዎምን፥ ነቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ ምእንቲ ኽፈልጡን ኢለ እየ፥ ዝጋደል ዘለኹ።
ነቲ ምእንታኡ ተኣሲረ ዘለኹ፥ ምስጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ንቓሉ ኣፍ ደገ ክኸፍተልና፥ ምእንታና ፀልዩ።
እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።
ነቲ ናይ እምነት ምስጢር፥ ብንፁህ ሕሊና ዝሕልዉ ክኾኑ ይግባእ።