18 ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥
“ሕዚ ኸዓ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተስእ! ንስኻን ታቦት ሓይልኻን፥ ነዓ ናብ መዕረፊኻ ተስእ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ካህናትካ ድሕነት ይልበሱ፤ ቅዱሳንካውን ብሰናይ ይተሓጐሱ።
ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይነብር፤ ፅድቁ ኸዓ ኣብቶም ውሉድ ወለዶ እዩ።
ሞት ፃድቕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡር እዩ።
ካህናትካ ፅድቂ ይልበሱ፤ ቅዱሳንካ ድማ ደስ ይበሎም።
ፍልጠትካ ኻባይ ብዝበለፀ ተደነቐት፤ በርትዐት፥ ናብኣ ኽበፅሕውን ኣይኽእልን።
ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ስራሕኻ የመስግነካ፤ ቅዱሳንካውን ይባርኹኻ።
ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፥ መንገደይ ካብ መንገድታትኩም፥ ሓሳባተይ ከዓ ኻብ ሓሳባትኩም፥ ልዕል ዝበለ እዩ።
ለሰ እቲ እምባ ክሳዕ ኣፀል ክበፅሕ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም በቲ ለሰ እምባታት ክትሃድሙ ኢኹም። ኣቦታትኩም ብዘመን ኦዝያን ንጉስ ይሁዳ ኸም ዝኾነ፥ ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተልዓለ ኸም ዝሃደሙ፥ ክትሃድሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከዓ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ።
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።
ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ፅድቂ ሰኣን ምፍላጦም፥ ፅድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም፥ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣየግዝኡን።
ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
“ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቐለ፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ክንዳና ኸም ዝተረገመ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ናይ ሕጊ መርገም ተቤዘወና።
እዙይ ከዓ፥ እቲ ምልኣት ዘመናት ምስ በፅሐ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ፥ ምእንቲ ኽጥቕለል እዩ።
ኣነውን እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም እምነትን፥ ንዅሎም ቅዱሳን ዘለኩም ፍቕርን፥ ካብ ዝሰምዕ ጀሚረ፥
ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።
እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።
ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’