8 ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን።
ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፥ ስጋን ደምን ኣይገለፀልካን እሞ፥ ብፁእ ኢኻ” በሎ።
እቶም ብዓሰርተ ሓደ ሰዓት ናይ መዓልቲ ዝመፁ ቐሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ።
እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ።
ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “እምነትኪ እያ ዘድሓነትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ።
እቲ ብወልድ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እምበር፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይሪኣን እዩ።”
ኢየሱስ ድማ “ውህብቶ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ።
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።
ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
ኣስዒቡ ኸዓ “ስለዙይ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝተውሃቦ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን ዝበልኩኹም” በሎም።
ናብኣ ምስ በፅሑ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረሎምን ንኣህዛብ ከዓ፥ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም።
ንሕናውን ከምኣቶም፥ ብፀጋ ጐይታና ኢየሱስ፥ ከም እንድሕን ኢና እነኣምን” በሎም።
ልድያ እትበሃል፥ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ፥ በዓልቲ ኸተማ ትያጥሮን፥ ሸያጢት ቀይሕ ሓሪ ድማ፥ ትሰምዕ ነበረት፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኽተስተውዕል ድማ፥ ጐይታ ልባ ኸፈተላ።
ንሳቶም ከዓ “ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እመን፤ ንስኻን ስድራኻን ድማ፥ ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ።
ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ፥ ከመይ ኢሎም ክፅውዕዎ እዮም? ብዛዕባኡ እንተይሰምዑኸ፥ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኽኣምኑ እዮም? ብዘይ ሰባኺኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ እዮም?
እምበኣር፥ ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ፤ እቲ ምስማዕውን፥ ብቓል እግዚኣብሄር እዩ።
እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ።
ሰብ ሰናይ ተግባር እንተ ዘይብሉ እኳ፥ በቲ ንሓጢኣተኛታት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እንተ ኣሚኑ፥ እቲ እምነቱ፥ ፅድቂ ኾይኑ ይቝፀረሉ እዩ።
ስለዙይ ምሕረት፥ ካብቲ ዝምሕር እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንዝደለየን ንዝጐየየን ኣይኮነን።
እዙይ ከዓ እቲ በረኸት ኣብርሃም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኣብ ኣህዛብ ምእንቲ ኽወርድ፥ ንሕና ኸዓ ተስፋ መንፈስ [ቅዱስ]፥ ብእምነት ምእንቲ ኽንቕበል እዩ።
እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ፥ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ኽወሃብ፥ መፅሓፍ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ።
ኣባና ኣብ እንኣምን ከዓ፥ እቲ ኽግመት ዘይከኣል ዕቤት ሓይሉ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እፅሊ ኣለኹ። እዝ ኣባና ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሉ ኸዓ፥
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ።
እቲ ተውሂቡኩም ዘሎ ፀጋ ኸዓ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንታኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ።
ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፤ ብሓይሊ እቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ እግዚኣብሄር ብምእማንኩም ድማ፥ ምስኡ ተሳእኹም።
ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም።
እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሀሎም፥ ሰማያዊ ውህብቶ ዝጠዓሙ፥ ተሳተፍቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኾኑ፥
ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም፥ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ ድሕነት ክሳዕ ዝመፅእ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ተሓሊኹም ኣለኹም።