7 እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ይባረኽ፤ ኵሉ ህዝቢ እውን “ኣሜን” ይበል። ሃሌ ሉያ።
ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ናይ እስራኤል ኣምላኽ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣሜን፤ ኣሜን።
“ሓደ እኳ ብኣኺ ዘይሓልፍ ሕድግትን ፅልእትን ነበርኪ፤ ኣነ ግና ዘለኣለማዊ መመክሒት፥ ናይ ትውልድታት ከዓ ደስታ ኽገብረኪ እየ።
ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ?
ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድሕነት፥ ከምቲ ሃብቲ ፀጋኡ ድማ፥ ስርየት ሓጢኣት ረኸብና።
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ትውልድታት፥ ብቤተ ክርስቲያንን ብኢየሱስ ክርስቶስን ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
እዙይ ከምቲ ሕዚ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነቢያቱን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገለፀሎም፥ ነቶም ቀዳሞት ትውልዲ ኣይተገለፀሎምን።
ከም መጠን ፀጋ ኣምላኽናን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ክኸብር፥ ንስኻትኩምውን ብእኡ ምእንቲ ኽትከብሩ፥ ንፅሊ ኣለና።
ናይቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሕያዋይነትን ፍቕርን ምስ ተገልፀ ግና፥
ኣምላኽ ከዓ፥ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም እምበር፥ ንባዕላቶም ከም ዘይኮነ ገለፀሎም። እዝ ነገራት እዙይ፥ በቲ ኻብ ሰማይ ዝተልኣኸ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፥ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት፥ ሕዚ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ፥ መላእኽቲ እውን ክሪእዎ ይምነዩ እዮም።