3 ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።
ኣዳም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ፤ ብምስሉ ኸም መልክዑ ወዲ ወለደ። ሴት ኢሉውን ሰመዮ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።
ካብ ርኹስ ነገርከ ንፁህ ከውፅእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ሓደ እኳ ዝኽእል የለን።
ሰብከ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቅ፥ ክኸውን ይኽእል? ካብ ሰበይቲ ዝተወለደኸ፥ ከመይ ንፁህ ክኸውን ይኽእል?
እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ፤ እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ።
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
እንተ ኾነ ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ፍቕሪ ሃብትን፥ ካልእ ትምኒትን ኣትዩ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን።
ንሳቶም ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለዱ እምበር፥ ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወለዱ እዮም።
ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።
ብዝሓለፈ ዘመናት፥ እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣህዛብ፥ በብዝደለይዎ መንገዲ ክኸዱ ሓደጎም።
ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ብትምኒት ልቦም ንስንሳቶም ሰብነቶም ከሕስሩ፥ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።
ንስኻትኩም ቀደም ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝኩምዎን፤ ሕዚ ግና፥ ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተምሓርኩም።
ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፥ ድልየቱ ንኽፍፅም፥ ንስጋኹም ኣይትሕሰቡ።
እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ፥ ብባህርዮም ተመሪሖም ዝፍፅምዎ፥ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም እኳ፥ ንባዕላቶም ሕጊ እዮም።
ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
እምበኣር ሕዚ ብደሙ ዝፀደቕና ኻብ ኮንና፥ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ፥ ብእኡ ኽንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
እምበኣር ንስጋዊ ድልየትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዝ መዋቲ ስጋኹም፥ ሓጢኣት ኣይንገስ።
ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር፥ ሰናይ ግብርስ የብለይን። ስጋዊ ስለ ዝኾንኩ፥ ፅቡቕ ስራሕ ኣባይ ከም ዘየለ እፈልጥ እየ።
ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ።
ካብ ካልኦት ብሉፅ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ?
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ፥ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ኽወሃብ፥ መፅሓፍ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ።
ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።
ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም፥ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፤
ንስኻትኩም፥ ቀደም ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን፥ ፀላእቱ ነበርኩም።
ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
እምበኣር ንንቃሕ፤ ርእስና ንቘፃፀር ደኣ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን።
እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና፥ ብዘጥፍእን ብዘበላሹን፥ ንሰባትውን ብዘጥልቕን፥ ብዘስንፍን፥ ብዝጐድእን፥ ኣብ መፃወድያ ትምኒትን ፈተናን ይወድቁ።
ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።
እዙዛት ውሉድ ከም ምዃንኩም፥ ከምቲ ቐደም፥ ብዘይፍልጠት እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ክፉእ ድሌትኩም ኣይትግበሩ።
ዝሙት ዝመልኣ፥ ካብ ሓጢኣት ከዓ ዘየቋርፃ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፤ ነተን ብእምነት ዘይፀንዓ ነፍሳት፥ ይሓብልወን፤ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገምውን እዮም።
ንሳቶም፥ ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር፥ ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም፥ ብኽፉእ ትምኒት ስጋን፥ ብርኽሰትን፥ ይሓባብልዎም ኣለዉ።
ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ስጋ፥ ባህጊ ዓይንን፥ ናይ ናብራ ትምክሕትን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን።
መሊሰ፥ ብኡኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝኾነ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እፅሕፈልኩም ኣለኹ፤ ፀልማት ሓሊፉ፥ ድሮ እኳ ብርሃን ሓቂ የብርህ ኣሎ።