21 እቲ ህንፃ ብምሉኡ፥ ዝተቐደሰ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፥ ብጐይታ እናተገጣጠመ ይዓቢ።
እቲ ቤተ መቕደስ ክስራሕ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብቲ ዝተዅዓተሉ ቦታ ብዝተወቕረ ኣእማን ስለ ዝተሰርሐ፥ ድምፂ መዶሻ ኾነ ምሳር ወይ ድምፂ ዝኾነ ኣቕሓ ሓፂን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣይተሰምዐን።
ምስክርካ የመና ዝተኣመነ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንነዊሕ ዘመን ንቤትካ ቕድስና ይግባእ።
ከምተን ናብ ደቡብ ዘብላ ደገታት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እታ መንገዲ ደገ ነበረ፤ ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዝአትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዝነበረት እያ።
ንሕና ምስ እግዚኣብሄር እንሰርሕ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና፥ ግራት እግዚኣብሄርን፥ ህንፃ እግዚኣብሄርን ኢኹም።
መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።
እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።
እንተ ደንጐኹ ግና፥ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው እግዚኣብሄር፥ ከመይ ምንባር ከም ዝግባእ ንኽትፈልጥ፥ ፅሒፈልካ ኣለኹ።