23 ንሳ ኣካሉ እያ፤ ንኣኣን ንዅሉን ዝመልእ፥ ናቱ ምልኣቱ እያ።
ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና።
ስለዙይ መቕፃዕቲ ፈሪሕኹም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን፥ ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ።
ዝተፈላለየ ተግባር ኣሎ፤ እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
ኵሉ ምስ ተገዝአሉ ግና፥ ኣምላኽ ኵሉን ኣብ ኵሉን ምእንቲ ክኸውን፥ ወልድ ባዕሉ፥ ነቲ ዅሉ ዘግዝአሉ ኽግዛእ እዩ።
ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት፥ ነቲ ፅልኢ ደምሰሶ፤ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከዓ፥ ብመስቀሉ ምስ እግዚኣብሄር ኣተዓረቖም።
እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ።
ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።
እቲ ናብ ታሕተዋይ ዝወረደ ድማ፥ ንዅሉ ምእንቲ ኽመልእ፥ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝዓረገ፥ ንሱ እዩ።
እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥
ንሕና ኸዓ ዅልና ብእምነት ሓደ ዄንና፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ፈሊጥና ምሉእ ሰብ ብምዃን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍፁምነት ክሳዕ እንበፅሕ እዩ።
ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተፀዋዕኹም፥ ሓደ ሰብነት፥ ሓደ መንፈስ ኣሎ።
ሕዚ ኸዓ ምእንታኻትኩም መከራ ብምቕባለይ እሕጐስ ኣለኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቲ ኻብ ክርስቶስ መከራ ዝተረፈ፥ ብስጋይ እምልእ ኣለኹ።
እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።
ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፥ ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን፥ ግሩዝን ዘይግሩዝን፥ ዝሰልጠነን ዘይሰልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።
ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፤ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።