Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤፌሶን 1:22 - መፅሓፍ ቅዱስ

22 ንዅሉ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ። ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩውን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ።

Ver Capítulo Copiar




ኤፌሶን 1:22
18 Referencias Cruzadas  

ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።


ጐይታ፥ ንጐይታይ “ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።


ኣብ ልዕሊ ተዅላን ተመንን ክትከይድ ኢኻ፤ ሽደን ኣንበሳን ገበልንውን ክትረግፅ ኢኻ።


“ኣነ ኸዓ እብለካ ኣለኹ፤ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ኰዅሒ እዙይ ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ፤ በርታት ሲኦልውን ኣይሕይልዋን እዮም።


ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።


ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፥ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ፥ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።


ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ትውልድታት፥ ብቤተ ክርስቲያንን ብኢየሱስ ክርስቶስን ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።


ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፥ ሰብኣይ ከዓ ርእሲ ሰበይቱ እዩ። ክርስቶስ ድማ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ መድሕን እዩ እሞ።


ንሱ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ርእሲ እዩ፤ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውን፥ ንሱ መጀመርታ፥ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።


ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዘለኩም ፍቕሪውን ዝነገረና፥ ንሱ እዩ።


ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ብእኡ ምሉኣት ኴንኩም ኢኹም።


እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።


እንተ ደንጐኹ ግና፥ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው እግዚኣብሄር፥ ከመይ ምንባር ከም ዝግባእ ንኽትፈልጥ፥ ፅሒፈልካ ኣለኹ።


ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእኻሉ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ። ንዅሉ ኸግዝአሉ እንተሎ፥ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓደ እኳ ኣይሓደገን። ሕዚ ግና ዅሉ ገና ኸም ዝተገዝአሉ ኣይንርእን ዘለና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos