21 ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለምውን፥ ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ስልጣንን ሓይልን ምልክን ሸይሙ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፅዋዕ ስም ሃቦ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”
ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዘይግባእ ቃል ዝተዛረበ ኽሕደገሉ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ዘይግባእ ዝተዛረበ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኾነ፥ ኣብታ እትመፅእ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።
እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ።
ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።
ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ብእኡ ምሉኣት ኴንኩም ኢኹም።
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።
እቲ ዝወረሶ ስም፥ ካብ ስም መላእኽቲ የመና ኸም ዝዓቢ፥ ወልድ ኸዓ ኻብ መላእኽቲ የመና ይዓቢ እዩ።
ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘለና እትመፅእ ዓለምስ፥ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን።
እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና፥ እምነትና ኣፅኒዕና ንሓዝ።
ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።