16 ኣብ ፀሎተይ እናዘከርኩኹም፥ ምእንታኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ኣብኲረ ኣይፈልጥን።
ምስ ቀንዐካ ድማ ነኣይ ዘክረኒ፤ በይዛኻ ምሕረት ግበረለይ፤ ንፈርዖን ከዓ ንገረለይ እሞ፥ ካብዛ ቤት ማእሰርቲ እዚኣ ኣውፅአኒ።
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ልዕሊ ቕፅርኺ፥ ሓለውቲ ኣቚመ ኣለኹ፤ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ፤
ብዛዕባ እታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትኩም እምነትን፥ ንዅሎም ምእመናን ዘለኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም እንትንፅሊ፥ ንእግዚኣብሄር፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነመስግኖ ኣለና፤
ስለዙይውን እዩ፥ ንሕና ኻብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፥ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ክመልአኩም፥ ብዛዕባኻትኩም ካብ ምፅላይ፥ ኣቋሪፅና ኣይንፈልጥን።
ምእንቲ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ነመስግኖ ኣለና፤ ኣብ ፀሎትናውን ኵሉ ጊዜ ንዝክረኩም ኣለና።
እንተየቋረፅኩም ፀልዩ፤
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
ኣነስ እታ ፅብቕትን ቅንዕትን መንገዲ ኽምህረኩም እየ። ምእንታኻትኩም ምፅላይ ብምሕዳገይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳል የድሕነኒ።
ንሳሙኤል ድማ “ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነናስ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምፅላይ ኣይትሕደግ” በልዎ።