Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤፌሶን 1:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ኣነውን እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም እምነትን፥ ንዅሎም ቅዱሳን ዘለኩም ፍቕርን፥ ካብ ዝሰምዕ ጀሚረ፥

Ver Capítulo Copiar




ኤፌሶን 1:15
17 Referencias Cruzadas  

ኵሉ ፍቓድካ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዘለዉ ቕዱሳንን ክቡራንን እዩ።


ከምኡ ኸዓ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኽኣምኑ፥ ከም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም።


ብክርስቶስ ምእማንኩም፥ ኣብ ኵላ ዓለም ስለ ዝተሰምዐት፥ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።


ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።


ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ እሙናትን፥


ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥


ነቲ ናይ እምነት ስራሕኹም፥ ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ፃዕርኹም፥ ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ ፅንዓትኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና።


ብዛዕባ ፍቕሪ ኣሕዋት ግና፥ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ካብ እግዚኣብሄር ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፥ ሓደኳ ኽፅሕፈልኩም ኣየድልን።


ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።


ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፥ ፀጋ ጐይታና፥ ኣባይ ብዘይ መጠን በዝሐ።


ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።


እዙይ ከዓ፥ ንቕዱሳን ከም እተፍቅርን፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ከም እተኣምንን ስለ ዝሰማዕኹ እየ።


እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።


ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።


ግና ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ፥ ሓዉ ተሸጊሩ እንተሎ እናረአዮ እንተ ዘይራህርሀሉ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኽነብር ይኽእል?


እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ፥ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር፥ ንሓዉ ድማ የፍቅር” ዝብል እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos