14 ንኽብሩ ምስጋና ክኸውን፥ እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ዅሎም ክሳዕ ዘድሕኖም፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ነቲ ኽንረኽቦ ዘለና ርስቲ፥ ዕርቡን እዩ።
ኣቐዲምካ ንዝፈጠርካያ ማሕበርካ፥ ንዝተቤዘኻያ በትሪ ርስትኻ፥ ነታ ኣብኣ ዝሓደርካያ እምባ ፅዮን ዘክር።
ናብ እምባ መቕደሱውን ኣእተዎም፤ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዝፈጠረታ፥ ናብዛ እምባ እዚኣ ኣእተዎም።
እዙይ ክኸውን ምስ ጀመረ፥ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ንላዕሊ ተመልከቱ።”
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
ሕዚ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ነቲ ኽሃንፀኩምን፥ ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ርስቲ ኽህበኩምን ዝኽእል ቃል ፀጋኡ፥ ሓደራ እህበኩም ኣለኹ።
ፍጥረት ጥራሕውን ኣይኮነን። ንሕና፥ ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናውን፥ ናይ ስጋና ምድሓን ዝኾነ፥ መሰል ውሉድነት እናተፀበና፥ ብውሽጥና ንግዕር ኣለና።
ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።
ነዙይ ዘዳለወና እግዚኣብሄር እዩ፤ ዕርቡን መንፈሱውን ዝሃበና ንሱ እዩ።
ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ።
ንሕና ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፥ ንናይ ክብሩ ምስጋና ምእንቲ ኽንከውን፥ እቲ ብፍቓዱ ንዅሉ ነገራት፥ ከም ምኽሩ ዝገብር እግዚኣብሄር፥ ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ሓረየና።
ንመዓልቲ ድሕነትኩም እተሓተምኩምሉ፥ ነቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣይተሕዝንዎ።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።