Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤፌሶን 1:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ እሙናትን፥

Ver Capítulo Copiar




ኤፌሶን 1:1
27 Referencias Cruzadas  

ምስ ባርያይ ሙሴ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ኣብ ኵሉ ቤተይ እሙን እዩ።


ብውሑድ እሙን ዝኾነ፥ ብብዙሕውን እሙን እዩ፤ እቲ ብውሑድ ዝዕምፅ ድማ፥ ብብዙሕውን ዓማፂ እዩ።


ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠመቐት ከዓ “ብጐይታ ኸም ዝኣመንኩ እንተ ደኣ ተቐቢልኩምኒ ዄንኩምስ፥ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ሕደሩ” ኢላ ለመነትና፤ ግዲውን በለትና።


ኣብ ኤፌሶን ምስ በፅሑ፥ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኡ ሓደጎም፤ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ድማ፥ ምስቶም ኣይሁድ ተነጋገረ።


ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።


ሓናንያ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ብዛዕባ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፥ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ።


ሃዋርያ ክኸውን ካብ ዝተፀውዐን፥ ንወንጌል እግዚኣብሄር ዝተፈለየን፥ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ጳውሎስ ዝተፅሓፈት መልእኽቲ።


ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።


እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፥ ኵነኔ የብሎምን።


በእዳውና እናሰራሕና ንደክም ኣለና። ንዝፀርፉና ንምርቕ፥ ንዘሳጕጉና ንዕገስ፥


በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ መንገደይ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፥ ነቲ ፍቑር ወደይን ብጐይታ እሙንን፥ ጢሞቴዎስ፥ ሰዲደልኩም ኣለኹ።


ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን፥ ምስቶም ኣብ ኵላ ሃገር ኣካይያ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳንን።


ካብቲ፥ ካብ ሰብ ወይ ብሰብ ዘይኮነስ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ በቲ ኻብ ሙታን ዘተስኦ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሃዋርያ ክኸውን ዝተሓረየ ጳውሎስን፥


ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ኵልኻትኩም ውሉድ እግዚኣብሄር ኢኹም።


ኵልኻትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢኹም እሞ፥ በዙይ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪካዊ፥ ባርያ ወይ ጭዋ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።


ስለዙይ እቶም ዝኣምኑ ሰባት፥ ምስቲ ዝኣመነ ኣብርሃም ዝተባረኹ እዮም።


ኣነውን እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም እምነትን፥ ንዅሎም ቅዱሳን ዘለኩም ፍቕርን፥ ካብ ዝሰምዕ ጀሚረ፥


ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።


ሕዚ ግና፥ ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም።


እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።


ሕዚ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለኹን፥ እንታይ ከም ዝገብርን ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ፍቑር ሓወይን ብጐይታ ኸዓ፥ እሙን ኣገልጋልን ዝኾነ ቲኪቆስ፥ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ።


ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ይኹነልኩም።


እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።


ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።


ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos