6 ፍቕሮምን ፅልኦምን ቅንኣቶምን ሓቢሩ ጠፊኡ እዩ፤ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ኸዓ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።
ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተልዓለ።
ትፅቢት ፃድቃን ደስታ እዩ፤ ተስፋ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
ነዒንተይ ኵሉ ዝበሃጋኦ ኣይከልከልኩወንን፤ ልበይ ብዅሉ ድኻመይ ይሕጐስ ነበረሞ ንልበይ ካብ ሓጐስ ኣየርሓቕኩዎን፤ ዓስቢ ዅሉ እቲ ፃዕረይ ከዓ እዙይ ኮነ።
ዕድሉ እዙይ እዩ እሞ፥ ሰብ ብፍረ ፃዕሩ እንትርፊ ምሕጓስ ካልእ ዝሐሸ ኸም ዘየለ ኣስተውዓልኩ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውን ተመሊሱ ምእንቲ ኽርኢ ኸምፅኦ ዝኽእል መን ኣሎ?
ኣብዝ ሓፂር፥ ከንቱ፥ ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ህይወት ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝሐሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ መን እዩ? ወይ ከዓ ንሰብ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን መን ክነግሮ ይኽእል?
ብዛዕባ እዙይ ኣፀቢቐ ሓሰብኩ። ፃድቃንን ጥበበኛታትን፥ ኵሉ ዝሰርሕዎን፥ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ነዝ ዅሉ ኽምርምር ብልበይ ሓሰብኩ፤ ፍቕሪ ወይ ፅልኢ ይኹን ሰብ ኣይፈልጥን፤ ኵሉ ኣብ ቅድሚኣቶም እዩ።
ደጊም “ኣብ ምድሪ ህያዋን ኮይነ፥ ንእግዚኣብሄር ኣይሪኦን እየ፤ ምስቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ኾይነ፥ መሊሰ ሰብ ኣይርእን እየ” በልኩ።
“እቶም ንነፍሲ እዝ ህፃን ዝደልዩ፥ ሞይቶም እዮም እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” በሎ።