5 ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም፤ ምዉታት ግና ሓደ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ፤ ድሕሪዙይ ከቶ ረብሓ የብሎምን።
ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና እሞ፥ ግድን ክንመውት ኢና። ኣምላኽ ድማ ጥፍኣት ነፍሲ ኣይፈቱን እዩ። ግናኸ እቲ ዝተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣፀቢቑ ይሓስብ እዩ።
ደቁ እንተ ኸበሩ፤ ኣይፈልጦን፤ እንተ ሓሰሩውን፥ ኣየስተውዕሎን እዩ።
ናብቲ ዅሎም ህያዋን ዝእከቡሉ ቤት፥ ናብ ሞት ኣሕሊፍካ ኸም እትህበኒ እፈልጥ ኣለኹ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ይሃሉ፤ መዘከርታኡውን ካብ ምድሪ ይጥፋእ።
ብሞት ዝዝክረካ የለን፤ ኣብ ሲኦልከ መን የመስግነካ?
ጐይታይ ኣነ ግና፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ፀሎተይ ኣንጊሃ ናባኻ ትብፃሕ።
ነቲ ቐደም ዝነበረ ነገራት ዝዝክሮ የብሉን፤ ነቲ ኻብ ሕዚ ንደሓር ዝኾን ከዓ እቶም ደሓር ዝመፁ ኣይዝክርዎን እዮም።
በተን ዝመፃ መዓልቲታት ኵሉ ኽርሳዕ እዩሞ፥ ነቲ ጥበበኛ ኾነ ነቲ ዓሻ ናይ ዘለኣለም መዘከርታ ኣይርከብን። ኣየ! ለባም ምስ ዓሻ ኸመይ ይመውት!
ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ።
ከምኡውን ሓጥኣን ከም ዝተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝኣተዉን ረአኹ፤ ቅኑዓት ግና ኻብታ ቕድስቲ ቦታ ወፁ፥ ኣብታ ኸተማ ኸዓ ተረስዑ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።
ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ምስ ኵሎም ህያዋን ብሓባር ዘሎ፥ ተስፋ ኣለዎ።
ንሳቶም ሞይቶም እዮም፥ ህያዋን ኣይኮኑን፤ ጠፊኦም እዮም፥ ኣይትስኡን፤ ንስኻ ቐፃዕኻዮምን ደምሰስካዮምን፤ ንዅሉ መዘከሪኦምውን ኣጥፋእኻዮ።
ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እዩ፤ እስራኤልውን ኣየለልየናን እዩ። ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ።
ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።
ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥