Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 9:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 9:2
22 Referencias Cruzadas  

ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኸይተምፅአሉ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን፥ ኣምላኽ ምድርን ኣምሕለካ ኣለኹ።


እዝ ዅሉ ሓደ እዩ፤ ስለዙይ፦ “ንፍፁማንን ንሓጥኣንን ብሓደ የጥፍኦም እብል ኣለኹ።”


ሰላም ሓጢኣተኛታት ሪአ፥ ብዓመፀኛታት ቀኒአ ነይረ እየሞ።


እግዚኣብሄር ነቲ ዘሐጕሶ ሰብ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፤ ንሓጥእ ግና ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ሰብ ምእንቲ ኽህቦስ፥ ክእክብን ክድልብን ከም ዝፅዕር ይገብሮ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።


ዕድል ደቂ ሰብን እንስሳን ሓደ እዩ፤ ብፅሒቶምውን ማዕረ እዩ፤ እቲ ሓደ ኸም ዝመውት እቲ ኻሊእውን ይመውት፤ ናይ ኵሎም እስትንፋስ ሓደ እዩ። ኵሉ ኸንቱ እዩሞ፥ ሰብ ካብ እንስሳ ኣይበልፅን።


ሽሕ ዓመት ክልተ ሻዕ ብህይወት እንተ ዝነብር፥ ግና ሰናይ ነገር እንተ ዘይረአየ ዅሎም ናብ ሓደ ቦታ ዝኸዱዶ ኣይኮኑን?


ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝፈርሕ ካብዝ ዅሉ ይወፅእ እዩ እሞ፥ ነዙይ እንተ ሒዝካ ኻብዙይውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ።


ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ።


ኣነውን ተመሊሰ፥ ኣብቲ ትሕቲ ፀሓይ፥ ጕያ ንፈጣናት፥ ውግእ ንጀጋኑ፥ እንጀራ ንጥበበኛታት፥ ሃብቲ ንመስተውዓልቲ፥ ሞገስ ንፈላጣት ከም ዘይኾነ ረአኹ፤ ጊዜን ዕድልን ግና ንዅሎም ይራኸቦም።


ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ።


ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን፥ ኵሎም እቶም ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ምስ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ሓዲግዎም ዝነበሩን ወሰድዎም። ምስኣቶምውን ንኤርሚያስን ንባሮክ ወዲ ኔርያን ወሰዱ።


ሕዚ እውን ነቶም ትዕቢተኛታት፥ ቡሩኻት እዮም ንብሎም ኣለና፤ እቶም ገበርቲ ኽፉእ ፀኒዖም ኣለዉ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈታተንዎ ኸዓ የምልጡ ኣለዉ” ትብሉ ኣለኹም።


ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።


“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


እቶም ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቦታ መዓር ይውሕዝ ነበረ፤ እቶም ህዝቢ ግና፥ ነቲ ማሕላ ስለ ዝፈርሑ፥ ማንም ኢዱ ናብ ኣፉ ኣይገበረን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos