11 ኣነውን ተመሊሰ፥ ኣብቲ ትሕቲ ፀሓይ፥ ጕያ ንፈጣናት፥ ውግእ ንጀጋኑ፥ እንጀራ ንጥበበኛታት፥ ሃብቲ ንመስተውዓልቲ፥ ሞገስ ንፈላጣት ከም ዘይኾነ ረአኹ፤ ጊዜን ዕድልን ግና ንዅሎም ይራኸቦም።
ሽዑ ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን፥ “ካብ ምኽሪ ኣኪጦፌልስ ምኽሪ እቲ ዓርካዊ ኵሲ ይበልፅ” በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኸምፅአሉስ፥ ነቲ ፅቡቕ ምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ገበሮ።
ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸዓ ተቐበረ።
ንሱ ድማ፦ “ኣቱም ሰብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ንስኻ ኢዮሳፍጥውን ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለኩም ኣሎ፦ ‘እቲ ውግእ ናተይ እዩ እምበር፥ ናታትኩም ኣይኮነን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን።
ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?
ኵሎም ሰነፋት ልቢ ደንገፁ፤ ድቃሶምውን ደቀሱ፤ ኵሎም ሃብታማትውን ኣብ ኢዳቶም ዝኾነ ኣይረኽቡን።
ጠቢብ ነዚኣተን ብምስማዕ፥ ፍልጠት ይውስኽ፤ ለባም ከዓ ፅቡቕ ምኽሪ የጥሪ።
ድሕሪ ንጉስ ዝመፅእ ሰብ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝገበርዎ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይገብር? ስለዙይ ኣነውን ጥበብን ዕብዳንን ዕሽነትን እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ከስተንትን ጀመርኩ።
ኵሉ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ንዘለኣለም ከም ዝነብር እፈልጥ እየ፤ ክውሰኾ ኾነ ኽንከዮ ኣይከኣልን እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኽፈርሑ ኸምዙይ ገበሮ።
ኣነ ብልበይ “ኵሉ ነገርን ኵሉ ተግባርን ገጊዜኡ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ፃድቕን ነቲ ኽፉእን ክፈርዶም እዩ” በልኩ።
መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀናንዖም ኣይነበረን።
ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ነቲ ንሱ ዘጕበጦ መን ከቕንዖ ይኽእል?
ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ።
እቲ ቕልጡፍ ኣየምልጥን፤ እቲ ሓያልውን ኣይድሕንን፤ ኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሰንከልከል በሉ፤ ወደቑውን።
“ኣቱም ሰብ ሞኣብ ‘ኣብ ውግእ ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም?
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ።
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።
መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።
ንሕና ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፥ ንናይ ክብሩ ምስጋና ምእንቲ ኽንከውን፥ እቲ ብፍቓዱ ንዅሉ ነገራት፥ ከም ምኽሩ ዝገብር እግዚኣብሄር፥ ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ሓረየና።
ብልብኹም ‘ሓይልናን ፅንዓት ኢድናን እዝ ዅሉ ሃብቲ ኽንእክብ ገበረና’ ትብሉ ትኾኑ።
ግና ኸምዝ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ሃብቲ ኽትእክቡ ሓይሊ ዝህበኩም፥ ንሱ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘክርዎ።
በዝ ኸምዙይ፥ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ሰዒሩ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ፤ ዳዊት ግና ኣብ ኢዱ ሰይፊ ኣይነበሮን።
ናበይ ከም ዝኸይድ ድማ ረአይዎ። ናብ ሃገሩ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ናብ ቤት ሳሚስ እንተ ደየበ፥ ሽዑ እዝ ብርቱዕ መቕፃዕቲ እዙይ ዘውረደልና እግዚኣብሄር እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እዝ መዓት እዙይ ባዕሉ ዝኾነ እምበር፥ ዝወቕዐና ናቱ ኢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ ኢና።”