4 ንጉስ ብስልጣን ይእዝዝ እዩሞ፥ “ንምንታይ እዙይ ትገብር” ዝብሎኸ መን እዩ?
ግና ቓል ንጉስ፥ ኣብ ኢዮኣብን ኣብ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ኣሸነፈ፤ ኢዮኣብን ኣሕሉቕ ሰራዊቱን ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወፁ።
ከምቲ ‘ሰሎሞን ወድኺ ብድሕረይ ክነግስ እዩ፥ ንሱ ድማ ኽንዳይ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሓልኩልኪ፥ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ” ኢሉ መሓለ።
ስለዙይ ንጉስ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሰደዶ፤ ንሱ ድማ ንኣዶንያስ ወቕዖ፤ ሞተውን።
ንጉስ ድማ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ኣዘዞ፤ ንሱ ድማ ወፂኡ ንሳሚ ቐተሎ፤ ሞተውን። እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ፀንዐት።
ሽዑ ተንትናይ፥ እቲ መስፍንን ሰገር ንየው ሩባን፥ ሰተርቡዝናይን እቶም ተሓባበርቶምን፥ ንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝኣዘዘ፥ ነቲ ስራሕ ብጥንቃቐ ፈፀምዎ።
እንሆ፥ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መንጠለ መን ክኽልክሎ ይኽእል? “ንእኡኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ኽብሎ ዝኽእል መን እዩ?
እቲ ንጉስ ድማ ነተን መዋለድቲ ፀዊዑ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበርክን? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝተወለዱ ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓደግክናኦም?” በለን።
ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ።
ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ እቲ ዘቘጥዖ ሰብ ከዓ ንነፍሱ ይብድል።
ኣብ ማእኸል ኣንስትዮ፥ ብድፍረት ዝኸይድ ኣውራ ደርሆ፥ ንመጓሰ ዝመርሕ ኣውራ ጤል፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብግልፂ ዝናገር ንጉስ እዮም።
ሕዚ እውን ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ክትሰምዑ እንተለኹም፥ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ እንተ ሰገድኩም ሰናይ እዩ። እንተ ዘይሰጊድኩምሉ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘድሕነኩም ኣምላኽከ መን እዩ?” በሎም።
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።
ኣታ ሰብ፥ ንእግዚኣብሄር እትከራኸሮ፥ ንስኻ መን ኢኻ? ስራሕ፥ ንሰራሒኡ ንምንታይ ከምዙይ ጌርካ ሰራሕኻኒ፥ ክብሎዶ ይኽእል እዩ?