1 ከም ጥበበኛ ዝኾነ ሰብ መን እዩ? ምትርጓም ነገራት ዝፈልጥከ መን እዩ? ጥበብ ንሰብ ገፁ ተብርሆ፤ ንድፍረት ገፁ ኸዓ ትልውጦ።
ንሳቶም ከዓ “ሕልሚ ሓሊምናስ ዝፈትሐልና ስኢንና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ “ምፍታሕ ሕልሚ እግዚኣብሄር ንዝሃቦዶ ኣይኮነን? እስኪ ሕልምኹም ንገሩኒ?” በሎም።
“ካብ ኣሽሓት መላእኽቲ ሓደ ማእኸላይ እንተ ዝርከብ፥ ንሰብውን እታ ቕንዕቲ መንገዲ እንተ ዘፍልጦ፤
ደቂ እስራኤል ድማ ገፅ ሙሴ ኸም ዘንፀባርቕ ረአዩ፤ ሙሴ ኸዓ ምስ እግዚኣብሄር ንምዝራብ ኣብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝኣቱ ገፁ ይጕልበብ ነበረ።
በዙይ ከዓ ንሳቶም ንምስላን፥ ትርጉምን፥ ንዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን፥ ከስተውዕልዎ ይኽእሉ።
ሰብ ብመጠን ፍልጠቱ ይነኣድ፤ ቀይናን ዝልቡ ግና ይነዓቕ።
ጥበብ ኣብ ቅድሚ ለባማት ትነብር፤ ዓይኒ ሰነፍ ግና ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ።
ክፉእ ሰብ ገፅ ድርቅና የርኢ፤ ቅኑዕ ሰብ ግና መንገዱ የፅንዕ።
ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ኸዓ ሓይሉ የፅንዕ።
ንዝዓመቘን ንዝተሰወረን ምስጢር ይገልፅ፤ ነቲ ኣብ ፀልማት ዘሎ ይፈልጦ፤ ብርሃንውን ምስኡ ይነብር።
እቲ ንጉስ ንዳንኤል “ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልፃ ኻብ ከኣልካስ፥ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን፥ ጐይታ ነገስታትን፥ ገላፂ ምስጢራትን እዩ” በሎ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።
ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።
ሕዚ ድማ፥ ኦ ጐይታ! ምፍርራሖም ረአ፤ ንኣገልገልትኻ ኸዓ፥ ቃልካ ብምሉእ ትብዓት ክናገሩ ኣኽእሎም።
እቶም ኣብቲ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት፥ ኵላቶም ጠመትዎ፤ ገፁ ኸዓ፥ ከም ገፅ መልኣኽ ኮይኑ ተርኣዮም።
ስለዙይ መቕፃዕቲ ፈሪሕኹም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን፥ ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ።
ምእንታይውን፥ ክዛረብ እንተለኹ፥ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር፥ ቃል ክወሃበኒ ፀልዩለይ።
ገፆም ዘፍርሕ ህዝቢ፥ ገፅ ሽማግለ ሪኦም ዘይሓፍሩ፥ ነናእሽቲ ዘየናሕስዩ ኸምፅእ እዩ።
ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።
ቅድሚ ዅሉ፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደኳ ብናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ፥ ክትርጉሞ ኸም ዘይኽእል ፍለጡ።