8 ናይ ነገር መወዳእታ፥ ካብ መጀመርታኡ ይበልፅ፤ ካብ ዕቡይ መንፈስ፥ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።
ትዕቢት፥ ባእሲ ጥራሕ እዩ ዘምፅእ፤ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዝቕበሉ እያ።
ንዕጉስ ሰብ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፤ ቍጡዕ ግና ንዕሽነቱ ይገልፃ።
ቍጡዕ ሰብ ፅልኢ የለዓዕል፤ ትዕግስተኛ ሰብ ግና ባእሲ የህድእ።
ዕጉስ ሰብ ካብ ሓያል ይበልፅ፤ ካብቲ ንኸተማ ዝገዝእ ከዓ መንፈሱ ዝገዝእ ይበልፅ።
ረብሓ ዝሃርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ይፀግብ።
ፅቡቕ ስም ካብ ክቡር ሽቱ ይበልፅ፤ ካብ መዓልቲ ልደትውን መዓልቲ ሞት ይበልፅ።
ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ ብህይወትካ እንተለኻ፥ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ።
ንነፍስኹም ከዓ፥ ብትዕግስትኹም ክተጥርይዋ ኢኹም።
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥
ብሓቂ ትሑታትን፥ ለዋሃትን ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ድማ፥ ዕጉሳት ኩኑ።
ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ።
እንሆ፥ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ፥ ብፁኣን እዮም ንብሎም። ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ነቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉውን ርኢኹም ኣለኹም። እግዚኣብሄር፥ ርህሩህን ምሕረት ዝመልኦን እዩ እሞ።
ንስኻትኩም ከዓ፥ ምፅኣት ጐይታ ስለ ዝቐረበ ተዓገሱ፤ ልብኹምውን ኣፅንዑ።
ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።