6 ሰሓቕ ዓሻ ኸምቲ ኣብ ትሕቲ ቝራዕ ብሓዊ ዝቃፀል እሾዅ እዩ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
ንህቢ ንመዓር ከም ዝኸብብ ከበቡኒ፤ ሓዊ ኣብ ውሽጢ እሾኽ ከም ዝነድድ ነደዱ፤ ብስም እግዚኣብሄር ድማ ኣሰነፍኩዎም።
ዕሾኽኩም እንተይተፈልጠ በትሪ ኾነ፤ ህያዋን እንተለኹም፥ ብመዓቱ ኽምንጥለኩም እዩ።
ለባም ምስ ዓሻ እንተ ተፃልአ፥ እቲ ዓሻ ይስሕቕ ወይ ይናደድ፤ ዕረፍቲ እውን የብሉን።
ንሰሓቕ ዕቡድ ኢኻ በልክዎ፤ ንደስታ ኸዓ እንታይ ትጠቅም በልክዎ።
ንበዓላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፥ ንዅሉ መዝሙርኩም ከዓ ናብ ብኽያት ክልውጦ እየ፤ ኵሉ ጐድኒ ወጮ ኸም ዝኽደን፥ ኵሉ ርእሲ ድማ ኸም ዝንፀ ኽገብር እየ። ብሞት ሓደ ውሉዶም ከም ዝሓዝኑ፥ መወዳእታውን ከም መራር መዓልቲ ኽገብር እየ።
ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ ብህይወትካ እንተለኻ፥ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ።
ኣቱም ሕዚ እትፀግቡ፥ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! ኣቱም ሕዚ እትስሕቑ፥ ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!