Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 7:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ሰብ ፀርፊ ዓያሹ ኻብ ክሰምዕ፥ ተግሳፅ ለባማት ምስማዕ ይሕሾ።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 7:5
14 Referencias Cruzadas  

ፃድቕ ብምሕረት ይገስፀኒ፤ ይዝለፈኒውን፤ ዘይቲ ሓጢኣተኛ ግና ንርእሰይ ኣይቕባእ፤ ፀሎተይ ገና ኣብ ልዕሊ ኽፍኣቶም እዩሞ።


እቶም ኣብ በርታት ዝቕመጡ፥ ብኣይ ይፃወቱ ኣለዉ፤ እቶም ወይኒ ዝሰትዩ ኸዓ ብኣይ ይደርፉ።


ንትእዛዝ ዝንዕቕ ብትእዛዛት ተትሒዙ ይጠፍእ፤ ትእዛዝ ዝፈርሕ ግና ብዳሓን ይነብር።


ተግሳፅ ንዘይቕበል ሰብ፥ ድኽነትን ነውርን ይፀንሖ፤ ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይኸብር።


ካብ ሚእቲ ጊዜ ግርፋት ዓሻ፥ ተግሳፅ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ።


ንትሰምዕ እዝኒ፥ ዝግስፅ ለባም ሰብ፥ ከም ኵትሻ ወርቅን ከም ዘንፀባርቕ ዕንቍን እዩ።


ካብ ብዙሕ ምስዓም ፀላኢ፥ ናይ ፈታዊ ምቝሳል ይሐይሽ።


ትእዛዝ መብራህቲ፥ ሕጊ ብርሃን እዩሞ፤ ተግሳፅ ትምህርቲ ድማ መንገዲ ህይወት እዩሞ።


ከይፀልአካስ፥ ንሰነፍ ኣይትገስፆ፤ ንለባም ገስፆ፥ ክፈትወካ እዩ።


ቃላት ጠቢባን ከም መውግኢ ብዕራይ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብእኩባት መምህራን ኣፀቢቑ ዝተሸንከረ ሽንካራት እዩ፤ ብሓደ ጓሳ ኸዓ ዝተውሃበ እዩ።


ልቢ ጠቢባን ኣብ ቤት ሓዘን፥ ልቢ ሰነፋት ግና ኣብ ቤት ሓጐስ እዩ።


ኣብ ማእኸል ዓያሹ ብዓውታ ኻብ ዝንገር ዘረባ ገዛኢስ፥ ብህድኣት ዝንገር ቃል ጥበበኛታት ብዝበለፀ ይስማዕ።


ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos