Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 7:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 7:2
29 Referencias Cruzadas  

ጥበብ ብልቢ ምእንቲ ኽንመሃር፥ የማንካ ኸምዙይ ኣፍልጠና።


ዓይኒ መስተውዓሊ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ዓሻ ግና ኣብ ፀልማት ይመላለስ። ግና ንዅሎም ፍፃሜኦም ሓደ ኸም ዝኾነ ኣስተብሃልኩ።


በተን ዝመፃ መዓልቲታት ኵሉ ኽርሳዕ እዩሞ፥ ነቲ ጥበበኛ ኾነ ነቲ ዓሻ ናይ ዘለኣለም መዘከርታ ኣይርከብን። ኣየ! ለባም ምስ ዓሻ ኸመይ ይመውት!


ዕድል ደቂ ሰብን እንስሳን ሓደ እዩ፤ ብፅሒቶምውን ማዕረ እዩ፤ እቲ ሓደ ኸም ዝመውት እቲ ኻሊእውን ይመውት፤ ናይ ኵሎም እስትንፋስ ሓደ እዩ። ኵሉ ኸንቱ እዩሞ፥ ሰብ ካብ እንስሳ ኣይበልፅን።


ኵሉ ናብ ሓደ ስፍራ ይኸይድ፤ ኵሎም ካብ መሬት እዮም ተፈጢሮም፤ ናብ መሬት ከዓ ይምለሱ።


ሽሕ ዓመት ክልተ ሻዕ ብህይወት እንተ ዝነብር፥ ግና ሰናይ ነገር እንተ ዘይረአየ ዅሎም ናብ ሓደ ቦታ ዝኸዱዶ ኣይኮኑን?


ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም።


ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ።


ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም፤ ምዉታት ግና ሓደ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ፤ ድሕሪዙይ ከቶ ረብሓ የብሎምን።


ነዙይ ኣብ ልብኺ እንተየንበርኪ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ኽመፅእ ዘለዎውን እንተይሓሰብኪ፥ ‘ኣነስ ንዅሉ ጊዜ ንግስቲ ኾይነ ኽነብር እየ’ በልኪ።”


“ምስኣቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ናብ ድግስ ዝገብሩላ ቦታ ኣይትእቶ።


እምበኣር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንመንገድኹም እስኪ ብልብኹም ኣስተውዕልዎ?


ንስመይ ክብሪ ኽትህቡ እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ብልብኹምውን እንተ ዘይገበርኩምዎ፥ መርገም ክሰደልኩም፥ ንበረኸትኩምውን ክረግማ እየ። ሕዚ እውን ብልብኹም ኣይገበርኩምዎን እሞ፥ ኣነውን ረጊመያ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ነቶም ከም ሓመድ ብዙሓት ዝኾኑ ደቂ ያእቆብ መን ክቘፅሮም ይኽእል? ንርብዒ እስራኤልከ መን ይቘፅሮ? ኣነ፥ ሞት ፃድቕ እሙት፤ መወዳእታይ ከዓ ኸም ናቱ ትኹን።”


ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ።


ኣእምሮ እንተ ዝህልዎም ነዙይ መስተውዓሉ ነይሮም፤ መወዳእታኦምውን ምሓሰቡ ነይሮም።


“ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ደቅኹም ተጠንቂቖም ንኽሕልውዎ ምእንቲ ኽትእዝዝዎም፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።


መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።


ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos