16 እምብዛ ፃድቕ ኣይትኹን፤ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፤ ስለ ምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ?
እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።
ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል ካብ ዝመሃር፥ ዒሉ ኣድጊ በረኻ፥ ሰብ ኮይኑ ኽውለድ ይቐልል።
“ንሰብ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ ከዓ ምስትውዓል እዩ።”
ድልየትካ ንምግታእ ጥበብ ይሃሉኻ እምበር፥ ሃብታም ክኸውን እየ ኢልካ ኣይትድከም።
መዓር እንተ ረኸብካ፥ እምብዛ ኸይትፀግብ እሞ ኸይትተፍኦስ፥ ዝኣኽለካ ብላዕ።
ብዝተረፈ ወደይ፥ ንተግሳፅ ስማዕ፤ መፃሕፍቲ ምፅሓፍ መወዳእታ የብሉን፤ ብዙሕ ምምርማር ድማ ንሰውነት የድክም እዩ እሞ።
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ‘ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተንኸውንስ፥ ኣብ ምፍሳስ ደም ነቢያት ኣይምተሳተፍናን’ እናበልኩም መቓብር ነቢያት እትሃንፁ፥ ሓወልቲ ፃድቃን እተጊፁ፥ ወይለኹም!
እንሆ ገዛኹም ዝፈረሰን ዝዓነወን ክኸውን እዩ።
ኵሉ ዝገብርዎ፥ ሰብ ክሪአልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ።
ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንፀውም፥ ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ስለ ምንታይ እዮም ዘይፆሙ?” በልዎ።
ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እፀውም፤ ካብ ኵሉ ዘጥረኹዎውን ኣስራት ኣውፅእ’ እናበለ ፀለየ።
ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቐንኡስ፥ ኣነ እምስክረሎም እየ።
ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ።
ሓደኳ ንባዕሉ ኣየታልል፤ ካባኻትኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውን ዓሻ ይኹን።
ከምኡውን “ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ኸም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ” ዝብል፥ ተፅሒፉ ኣሎ።
ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት፥ ኣሳጓጒ ቤተ ክርስቲያን፥ ሕጊ ብምፍፃም ንዝርከብ ፅድቂ ኸዓ፥ ነቐፌታ ዘይብለይ እየ።
ሓደኳ ትሕትና ብዝመስልን፥ ንመላእኽቲ ብዝግበር ኣምልኾን፥ ነቲ ዓስብኹም ኣየግድፍኩም፤ እዝ ሰብዙይ በቲ ዝረኽቦ ራእይ እናተመፃደቐ፥ ከንቱ ብዝኾነ ስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ዝዕበ እዩ።
እዝ ሰብ ባዕሉ ብዘጥረዮ ኣምልኾን፥ ትሕትናን፥ ንሰብነት ኣበርቲዑ ዝቐፅዕን ብምዃኑ፥ ጥበብ ዘለዎ ይመስል፤ ድልየት ስጋ ንምቍፅፃር ግና፥ ኣይጠቕምን እዩ።
ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፤ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፥ ብምስጋና ኽቕበልዎ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ብልዒውን፥ ሰብ ክሓርሞ ይእዝዙ።
እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።