10 “ካብዝ ዘመን እዙይ፥ እቲ ዝሓለፈ ዘመን ንምንታይ ሐሸ?” ኢልካ ኣይትናገር፤ ነዝ ነገር እዙይ ብጥበብ ኣይኮንካን እትጥይቕ ዘለኻሞ።
ጥበብ ምስ ርስቲ ፅብቕቲ እያ፤ ረብሓኣ ድማ ፀሓይ ንዝሪኡ ዅሎም ይጠቅም እዩ።
ቍጥዓ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዝነብርሞ፥ ብነፍስኻ ንቝጥዓ ሽኩል ኣይትኹን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
ጌዴዎን ድማ “ኣየ ጐይታ! እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዝህሉስ እዝ ዅሉ ስለ ምንታይ ረኸበና? እቲ ኣቦታትና ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፂኡና’ እናበሉ ዝነገሩና ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ? ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፥ ናብ ኢድ ምድያማውያን እኳ እንሆ ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ” በሎ።