1 ፅቡቕ ስም ካብ ክቡር ሽቱ ይበልፅ፤ ካብ መዓልቲ ልደትውን መዓልቲ ሞት ይበልፅ።
ኣብኡስ እቶም ክፉኣት እኳ ቝጥዓኦም ሓዲጎም፤ እቶም ዝደኸሙውን ኣዕሪፎም ኣለዉ።
ካብ ርእሲ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኸም ዝፈስስ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኣሮን፥ ክሳዕ መደረብያ ኽዳኑውን ከም ዝወርድ ሽቱ እዩ።
ብርሃን ዓይኒ ንልቢ የሐጉሶ፤ ፅቡቕ ወረ ምስማዕ ከዓ ነዕፅምቲ የለምልም።
ፅቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይምረፅ፤ ሞገስ ከዓ ኻብ ብሩርን ወርቅን ይበልፅ።
እንተ ዘይኮነ ግና ምስጢር ከም እተውፅእ ካልእ ሰብ ክፈልጠካ እዩ፤ ስምካ ምስ ከፍአ ድማ ኽትልውጦ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ቅብእን ዕጣንን ንልቢ ኸም ዘሐጕሶ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽሪ ፈታዊ ንነፍሲ የሐጕሳ።
ዝሞቱ ፅንፅያታት ነቲ ብጥዑም ጨና ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ሽቱ ኸም ዘጭንውዎ፥ ንእሽተይ ዕሽነትውን ንጥበብን ክብርን ተበላሽዎ።
ስለዙይ ኣነ “ካብቶም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ፥ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ኣመስገንኩ።”
ናይ ነገር መወዳእታ፥ ካብ መጀመርታኡ ይበልፅ፤ ካብ ዕቡይ መንፈስ፥ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።
ቅብእኻ ምዑዝ ሽቱ ኣለዎ፤ ስምካ ኸም ዝፈስስ ምዑዝ ሽቱ እዩ፤ ስለዙይ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።
ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርኺ ኽንደይ ሰናይ እዩ። መርዓተይ፥ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ የርዊ፤ መዓዛ ቕብእኽውን ካብ ኵሉ ሽቱ ይምዕዝ!
ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ቕፅረይን፥ ካብ ኣወዳትን ኣጓላትን ዝበልፅ፥ መዘከርታን ስምን ክህቦም እየ፤ ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ስምውን ክህቦም እየ።”
ኦ እግዚኣብሄር፥ እምበኣርከስ ሕዚ ኻብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ እዩ እሞ፥ እልምነካ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።
ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።
እናተደረሩ እንተለዉ ድማ፥ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ከትሕዝ፥ ኣብ ልቢ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፥ ሓሳብ ኣሕዲሩ ነበረ።
እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና።
ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።
ነቶም ዓበይቲ እውን፥ በዙይ እዩ ዝተመስከረሎምሞ።
እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዝሐሸ ስለ ዝወሰነ፥ ብዘይ ብኣና ናብ ፍፃሜ ምእንቲ ኸይበፅሑ፥ እዚኣቶም ኵላቶም፥ ብእምነት ዝተመስከረሎም እኳ እንተ ኾኑ፥ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።
ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።
ክሳዕ ዝወግሕ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት። ንሱ ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመፀት ኣይፈለጥ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ገና ሰብ ምስ ሰብ እንተይተረኣኣየ ኣንጊሃ ተስአት።