8 ካብ ዓሻ ንለባም ሕልፉ እንታይ እዩ? ኣብ ቅድሚ ህያዋን ምኽያድ ንዝፈልጥ ድኻኸ ረብሓኡ እንታይ እዩ?
ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።
ንፁህ መንገዲ ኸስተውዕል እየ፤ ናባይ መኣዝ ክትመፅእ ኢኻ? ኣብ ማእኸል ቤተይ ብንፁህ ልቢ ኽመላለስ እየ።
ኣነውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክነብር እየ።
ብኸናፍሩ ኻብ ዝውስልት ሰነፍ፥ ብዘይ ነውሪ ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
ጥሪት እንተ በዝሐ፥ በላዕቱ ይበዝሑ፤ ንዘጥረዮ ደኣ፥ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይጠቕሞ?
ብዓይኒ ምርኣይ ብነፍሲ ኻብ ምቕብዝባዝ ይሐይሽ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንፋስ ከም ምኽታል እዩ።
ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ።
ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፥ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝህበና እግዚኣብሄር እምበር፥ በዝ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።