Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 6:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ሽሕ ዓመት ክልተ ሻዕ ብህይወት እንተ ዝነብር፥ ግና ሰናይ ነገር እንተ ዘይረአየ ዅሎም ናብ ሓደ ቦታ ዝኸዱዶ ኣይኮኑን?

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 6:6
18 Referencias Cruzadas  

ኣዳም ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።


ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።


ናብቲ ዅሎም ህያዋን ዝእከቡሉ ቤት፥ ናብ ሞት ኣሕሊፍካ ኸም እትህበኒ እፈልጥ ኣለኹ።


“ኦ እግዚኣብሄር! ህይወተይ እስትንፋስ ከም ዝኾነ ዘክር፤ ኣዒንተይውን መሊሰን ፅቡቕ ነገር ኣይሪኣን እየን።


ንህይወት ዝፈቱ፥ ሰናይ መዓልቲታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን እዩ?


ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።


ዓይኒ መስተውዓሊ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ዓሻ ግና ኣብ ፀልማት ይመላለስ። ግና ንዅሎም ፍፃሜኦም ሓደ ኸም ዝኾነ ኣስተብሃልኩ።


ኵሉ ናብ ሓደ ስፍራ ይኸይድ፤ ኵሎም ካብ መሬት እዮም ተፈጢሮም፤ ናብ መሬት ከዓ ይምለሱ።


ሰብ ሚእቲ ቘልዑ እንተ ዝወልድ፥ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዝነብር፥ መዓልቲታት ዕድሜኡውን እንተ ዝበዝሕ፥ ግና ነፍሱ ብሰናይ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ብቑዕ ቀብሪውን እንተ ዘይረኸበ፥ ካብኡስ ቍላዕ ይሐይሽ፤ እብል ኣለኹ።


ንፀሓይ ኣይረአያን፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይፈለጠን፤ ካብቱይ ነዙይ ዝበለፀ ዕረፍቲ ኣለዎ።


ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ።


ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም።


ድሕሪዙይ ሓፂር ዝዕድሚኡ ህፃንን ዕድመ ዘይፀገበ ኣረጋዊን፥ ኣብኣተን ኣይርከብን እዩ። ጐበዝ ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ይመውት፤ እቲ ሓጢኣተኛውን ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ዝተረገመ ይኸውን።


ዕድመ ህዝበይ፥ ከም ዕድመ ኦም ነዊሕ ክኸውን፥ ሕሩያተይ ድማ፥ ፃማ ግብሪ ኣእዳዎም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ካልኦት ዝነብሩሉ ኣባይቲ ኣይሰርሑን፤ ካልኦት ፍረኡ ዝበልዕዎ ወይኒ ኸዓ፥ ኣይተኽሉን እዮም።


ንሱ ኸምቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ንቑፅ ቈጥቋጥ እዩ፤ ሰናይ እንትመፅእውን ኣይርእን፤ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ናይ ጨው ምድሪ ይነብር።”


ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios