Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 6:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ሰብ ሚእቲ ቘልዑ እንተ ዝወልድ፥ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዝነብር፥ መዓልቲታት ዕድሜኡውን እንተ ዝበዝሕ፥ ግና ነፍሱ ብሰናይ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ብቑዕ ቀብሪውን እንተ ዘይረኸበ፥ ካብኡስ ቍላዕ ይሐይሽ፤ እብል ኣለኹ።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 6:3
23 Referencias Cruzadas  

ኤሳው ዓይኑ ኣልዓለሞ ኣንስትን ቈልዑን ምስ ረአየ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ፥ “እዚኣቶም ንኣይ ንኣገልጋሊኻ እግዚኣብሄር ብልግስናኡ ዝሃበኒ ውሉድ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።


ያእቆብ ድማ “እተን ብስደት ዘሕለፍክወን ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ንሳተን ውሑዳትን መረርትን ነበራ። ክንዲ እተን ኣቦታተይ ብስደት ዘሕለፍወን ዘመናት ኣይኾናን እየን” በሎ።


ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። ኢዩ ድማ ናብ ሰማርያ፥ ናብ ኣሕሉቕ ኢይዝራኤል፥ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣክኣብን ከምዙይ ዝብል መልእኽቲ ፅሒፉ ሰደደ፦


ክቐብርዋ ኸዓ ኸዱ፤ ግና እንትርፊ ሓምሓም ርእሳን፥ ሸዀና እግራን፥ ግናዕ ኣእዳዋን ካልእ ኣይረኸቡላን።


እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ። ካብ ኵሎም ደቀይ ድማ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዙፋን እቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤል ክቕመጥ ሓረዮ።


ሮብዓም ከዓ ዓሰርተ ሸሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፤ ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣጓላትን ድማ ወሊዱ ነበረ፤ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ግና ሕልፊ ዅለን ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ይፈትዋ ነበረ።


ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፥ ንጉስ ብዅሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕን ሓሻኽር ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎ ነገሮም።


ሽዑ ንሃማ ኣብቲ ንመርዶክዮስ ክሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፤ ቍጥዓ ንጉስውን ዘሓለ።


“ኣብ ማህፀን እኖይ እንተለኹ ስለ ምንታይ ዘይሞትኩ? ወይ ካብኡ ወፂአስ ስለ ምንታይ ሽዑ ንሽዑ ዘይጠፋእኹ?


ወይ ከም ዝተቐበረ ቝላዕ፥ ከምቲ ብርሃን ዘይረአየ ህፃን ምኾንኩ ነይረ!


ከምቲ ዝመክኽ ሽምዒ ኽሃልቁ እዮም፤ ከምቲ ቝላዕ ሰበይቲ ፀሓይ ኣይርኣዩ።


ንኣረጋውያን ዘውዶም ደቂ ደቆም እዮም፤ ንቘልዑ ኸዓ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።


ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ገና ዘይተወለደ፥ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግፍዒ ዘይረአየ፥ ኣብሊፁ ይሐይሽ።


ብኸንቱ ይመፅእ፤ ብፀልማትውን ይኸይድ እዩሞ ስሙ ብፀልማት ይኽወል።


“ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኽቐብርዎ፥ ካብ ደገታት ኢየሩሳሌም ጐቲቶም፥ ክድርብይዎ እዮም።”


ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይርከብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፥ ለይቲ ኣብ ቍሪ ኽድርበ እዩ።


ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።


ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos