Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 6:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እግዚኣብሄር ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፤ ካብቲ ዅሉ ዝደልዮ ንነፍሱ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎን፤ ግና ኻልእ ሰብ ይበልዖ እምበር ካብኡ ኽበልዕ እግዚኣብሄር ስልጣን ኣይሃቦን። እዙይ ከዓ ኸንቱን ዝኸፍአ ጕድኣትን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 6:2
24 Referencias Cruzadas  

ምስኡ ድማ፥ ካብ ነገስታት ዝመስለካ ሓደ እኳ ኸይነብር ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብረትን ሂበካ ኣለኹ።


እግዚኣብሄር ከዓ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ልዕል ኣበሎን ኣግነኖን። ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም ግርማ መንግስቲ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ሃቦ።


ዕድመን ሃብትን ክብረትን ፀጊቡ ኸዓ ብፅቡቕ ሽምግልና ሞተ። ክንድኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን “ድሌትካ እዙይ ካብ ኮነ፥ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን ወይ ነፍሲ ፀላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ስለ ዘይለመንካ፥ ክንድኡ ነዝ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምምሕዳር ምእንቲ ኽትክእል፥ ጥበብን ፍልጠትን ክወሃበካ ስለ ዝለመንካ፥


ኦ ጐይታ፥ ካብ ሰባት፥ ተስፋኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ ካብ ዝኾነ ሰባት፥ ብኢድካ ኣድሕነኒ፤ ካብቲ ዝሰወርካዮ መዝገብካ ከብዶም ኣፅገብካ፤ ደቆምውን ብዙሓት እዮም፤ እቲ ዝተረፎም ድማ ንህፃናቶም ይሓድጉ።


ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤ ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።


ኣዒንቶም ስብሒ ስለ ዝኾነ ወፀ፤ ልቦምውን ካብ ዝምነይዎ ንላዕሊ ረኸበ።


ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።


ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።


ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሕዝን ክፉእ ነገር ረአኹ፤ ንጕድኣት መጥረዪኡ ዝተዓቘረ ሃብቲ እዩ።


እዙይውን ዘሕዝን ክፉእ ነገር እዩ፤ ከም ዝመፀ ኸምኡ ይኸይድ፤ ድኻሙ ንንፋስ ካብ ኮነ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ?


ኣነ ዘስተብሃልክዎ ሰናይን ግቡእን ነገር፦ ሰብ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓፂር መዋእል ህይወቱ ኽበልዕን ክሰትን፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓረሉ ፍረ ፃማኡ ደስ ክብሎን እዩ፤ እዝ ዕድል እዙይ ከዓ ግደኡ እዩ።


እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰብ ሃብትን ጥሪትን ምሃቡ፥ ካብኡ ኽበልዕን ግደኡ ኽወስድን ብፃዕሩውን ምእንቲ ኽሕጐስን ስለ ዝፈቐደሉ እዩ፤ እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ።


ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥ ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤ ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥ ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”


ርስትና ንመፃእተኛታት፥ ኣባይትና ንጓኖት ሓሊፎም ተውሃቡ።


“ኦ ንጉስ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ናቡከደነፆር፥ መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ።


ኣጋይሽ ጕልበቱ በዝበዝዎ፥ ንሱውን ኣይፈለጠን፤ ፀጕሩ ሲበት ኣውፅአ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።


ፍረ ምድሪኹምን ኵሉ ፃዕሪኹምን ድማ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽበልዖ እዩ። ኵልሻዕ ከዓ ግፉዓትን ጭኑቓትን ክትኮኑ ኢኹም።


“ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታት መመሊሶም ልዕሌኹም ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና መመሊስኩም ትሕቲኦም ክትኮኑ ኢኹም፤


ኣብኣ ምስ በፃሕኹም ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኢድኩም ዝሃበኩም፥ ተኣማሚኑ ዝነብር ህዝብን የመና ገፋሕ ምድርን ክትረኽቡ ኢኹም። ንሳ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዅሉ ዝጐድላ ዘይብላ ምድሪ እያ” በልዎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos