12 ኣብዝ ሓፂር፥ ከንቱ፥ ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ህይወት ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝሐሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ መን እዩ? ወይ ከዓ ንሰብ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን መን ክነግሮ ይኽእል?
ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና፥ መፃእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት ይሓልፋ፤ ንዅልሻዕ ኣብ ምድሪ ዝነብርውን የለን።
ከም ዕምበባ ይዕምብብ እሞ ይረግፍ፤ ከም ፅላሎት ይሃድም፤ ኣይፀንዕንውን።
ደቁ እንተ ኸበሩ፤ ኣይፈልጦን፤ እንተ ሓሰሩውን፥ ኣየስተውዕሎን እዩ።
ንሕና ዝኾነ ዘይንፈልጥ ትማሊ ዝተወለድና ኢና፤ መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት እየን።
ዘመነይ ከም ፅላሎት ሓለፈ፤ ኣነውን ከም ሳዕሪ ነቒፀ ኣለኹ።
ከም ዝሓለፈ ፅላሎት ሃለቕኩ፤ ከም ኣንበጣውን ረገፍኩ።
ሰብ ከንቱ ይመስል፤ መዓልትታቱ፥ ድማ ኸም ፅላሎት ይሓልፍ።
እግዚኣብሄር ክፍሊ ርስተይን ፅዋዐይን እዩ፤ ነቲ ዕፃይ እተፅንዖ ንስኻ ኢኻ።
ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤ ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
“ንሰናይ መን እዩ ዘርእየና? ዝብሉ ብዙሓት እዮም፤ ኦ ጐይታ፥ ብርሃን ገፅካ ኣብ ልዕሌና ተፈለጠ።”
ናይ ያእቆብ ፅባቐ ዝፈተወ፥ ንሱ ንርስቱ ንኣና ሓረየና።
ክእለተይ እንታይ ከም ዝኾነ ዘክር፤ ብሓቂ ንወዲ ሰብ ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮ?
ዓሻ ዘረባ የብዝሕ፤ ሰብ ከዓ ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን፤ ነቲ ብድሕሪኡ ዝኸውን ድማ መን ይነግሮ?
መወዳእታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዙይ ናይ ሰብ ኵለንትናኡ እዩሞ፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንትእዛዛቱውን ሓሉ።
ንሰብ ካብ ዝብላዕን ካብ ዝስተን ካብቲ ብፃዕሩ ምሕጓስን ዝሓሸ ኻልእ ነገር የብሉን፤ እዙይውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝወሃብ ረአኹ።
ኣነ ብልበይ፥ ደቂ ሰብ ብዘመን ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክገብርዋ እትግባእ ሰናይ ነገር እንታይ ከም ዝኾነት ክሳዕ ዝርኢ፥ ልበይ ብጥበብ እናመርሐኒ፥ ንሰብነተይ ብወይኒ ኸሐጕሶ ንዕሽነትውን ንምሓዝ ብልበይ መርመርኩ።
ዕድሉ እዙይ እዩ እሞ፥ ሰብ ብፍረ ፃዕሩ እንትርፊ ምሕጓስ ካልእ ዝሐሸ ኸም ዘየለ ኣስተውዓልኩ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውን ተመሊሱ ምእንቲ ኽርኢ ኸምፅኦ ዝኽእል መን ኣሎ?
ንኸንቱ ዘብዝሐ ብዙሕ ነገር ኣሎሞ፥ እዙይ ንሰብ እንታይ ይጠቅም?
ፃድቕ ብፅድቁ እንትጠፍእ፥ ሓጥእ ድማ ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን እንትነብር እዝ ኵሉ ኸንቱ ብዝኾነ ዘመነይ ረአኹ።
ሓጥእ ግና ንኣምላኽ ኣይፈርሕን እዩ እሞ፥ ሰናይ ኣይኾነሉን፤ ንመዓልትታቱውን ከም ፅላሎት ገይሩ ኣየንውሕን እዩ።
ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን እዩ። ከመይ ከም ዝኸውንከ ዝነግሮ መን እዩ?
ፍቕሮምን ፅልኦምን ቅንኣቶምን ሓቢሩ ጠፊኡ እዩ፤ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ኸዓ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።
ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እትፅዕረሉ ፃዕርን ግደኻ እዩሞ፥ ብዅለን በተን ከንቱ ዝኾና መዓልቲታትካ፥ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃበካ ዅለን መዓልቲታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲኻ ብሓጐስ ንበር።
ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን?
ንስኻትኩም ነቲ ፅባሕ ዝኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩምከ እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም።