3 ብብዝሒ ስራሕ ሕልሚ ይረአ፤ ከምኡውን ድምፂ ሰነፍ ብብዝሒ ቓላት ይስማዕ።
“ነዝ ዅሉ ብዝሒ ቓላት እዙይዶ፥ ምላሽ ምሃብ ኣይግብኦን እዩ? ወይ ከዓ ተናጋሪ ሰብዶ፥ ከም ፃድቕ ይቝፀር እዩ?
ኣብ ብዙሕ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን እዩ፤ ከንፈሩ ዝገትእ ግና መስተውዓሊ እዩ።
ኣንደበት ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፤ ኣንደበት ዓያሹ ግና ዕሽነት የፈልፍል።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ ንስኻ ኸም እትግምቶ ዋጋ እቲ ሰብ ይኸፍል። ከፊሉ ኽቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ከምዝ ዝስዕብ ይኽፈል፦