2 ብኣፍኻ ኣይትቐልጥፍ፤ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄርውን ንምዝራብ ኣይትሸኵል። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ፥ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን።
ኣብርሃም ድማ መሊሱ “እንሆ፥ ኣነ ሓመድን ሓመዅሽትን እንትኸውን ምስ ጐይታይ ብምዝራበይ ደኣ ደፊረ እምበር፥
ኣብርሃም ድማ “ክዛረብ እየ እሞ፥ ጐይታ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ሰላሳ እንተ ተረኽብዋኸ?” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ “ሰላሳ እንተ ተረኽቡውን ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።
ኣብርሃም ድማ “ኦ ጐይታ! ሓንሳእ ጥራሕ ኽዛረብ እየ እሞ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ዓሰርተ እንተ ተረኽብዋኸ?” ኢሉ ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኣየጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰሉ።
ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥
እዛ ኸም ሓወልቲ ገይረ ዝተኸልኩዋ እምኒ ኸዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። ካብ ኵሉ እትህበኒ ድማ ኣስራት ክህብ እየ” እናበለ ተመባፅዐ።
ኣምላኽናስ ኣብ ላዕላይ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ዝደለዮ ይገብር።
ኣብ ብዙሕ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን እዩ፤ ከንፈሩ ዝገትእ ግና መስተውዓሊ እዩ።
ሰብ ብታህዋኽ እዙይ ንእግዚኣብሄር ወፍየዮ እየ ኢሉ ምስተመባፅዐ፥ ድሕሪ መብፅዓ እንተ ተናስሐ፥ እዙይ መፃወድያ እዩ።
ጥበበኛ ሰብ ዝዛረቦ ሞገስ የውህቦ፤ ንዓሻ ግና ኸንፈሩ ይውሕጦ።
መጀመርያ ነገሩ ዕሽነት እዩ፤ መወዳእታ ዘረብኡ ኸዓ ሕሱም ዕብደት እዩ።
ብብዝሒ ስራሕ ሕልሚ ይረአ፤ ከምኡውን ድምፂ ሰነፍ ብብዝሒ ቓላት ይስማዕ።
ብዙሕ ሕልምን ብዙሕ ቃላትን ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ከንቱ ነገር ኣሎ፤ ንስኻ ግና ንእግዚኣብሄር ፍራሕ።
ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፥ መንገደይ ካብ መንገድታትኩም፥ ሓሳባተይ ከዓ ኻብ ሓሳባትኩም፥ ልዕል ዝበለ እዩ።
ዝኾነ ሰብ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር፥ ከምቲ ገሊኣቶም ሰባት ብዘይ ምስትውዓል ዝምሕልዎ፥ እንተይፈለጠ እንተ መሓለ፥ ምስ ተፈለጦ ብሓደ ኻብዝ ነገር በዳሊ እዩ።
“ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኣቶም ዝስምዑ እዩ ዝመስሎም እሞ፥ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ።
“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤
ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ኾነውን፥ ዝጠየቕክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ መሓለላ።
ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ።
ዮፍታሔ ድማ ንእግዚኣብሄር፦ “ንደቂ ኣሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፥ ካብ ደቂ ኣሞን ብደሓን ምስ ተመለስኩ፥ እቲ ኽቕበለኒ ኢሉ ኻብ ገዛይ ዝወፅእ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ገይረ ኸቕርቦ እየ” ኢሉ ተመባፅዐ።