11 ጥሪት እንተ በዝሐ፥ በላዕቱ ይበዝሑ፤ ንዘጥረዮ ደኣ፥ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይጠቕሞ?
ፈርዖን ድማ ምእንቲ ሶራ ኢሉ ንኣብራም ፅቡቕ ገበረሉ። ኣብራም ከዓ ኣገልገልቲ ኣወዳትን ኣንስትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣብዑርን፥ ኣእዱግን፥ ኣግማልን ነበርዎ።
ኣብራም ከዓ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን የመና ሃብታም ነበረ።
ሃብቲ፥ ናብ ሰማይ ከም ዝበርር ንስሪ፥ ንባዕሉ ኽንፊ የውፅእ እዩሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓይንኻ እንተውደቕካሉ ይጠፍእ።
ኣታ ጐበዝ፥ ኣብ ጊዜ ጕብዝናኻ ደስ ይበልካ፤ በዘን መዋእል ጕብዝናኻ ልብኻ ይተሓጐስ፤ እትደልዮ ግበር፤ ልብኻ ብዝብህጎ መንገድን፥ ኣዒንትኻ ብዝጥምታኦን ተመላለስ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዅሉ እዙይ፥ ናብ ፍርዲ ኸም ዘቕርበካ ፍለጥ።
በዝ ኸምዙይ ከዓ ሕልፊ ዅሎም እቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዝዓበኹ ኾንኩ፤ ጥበበይውን ምሳይ ፀንዐት።
እቲ ሰራሕተኛ፥ ብዙሕ ወይ ውሑድ በሊዑ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፤ ንሃብታም ግና ፅጋቡ ኣየደቅሶን።
ብዓይኒ ምርኣይ ብነፍሲ ኻብ ምቕብዝባዝ ይሐይሽ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንፋስ ከም ምኽታል እዩ።
እቲ ቕንዕና ብዘይብሉ፥ ሃብቲ ዝእክብ፥ ከምታ ንዘይ ጫጭሐቶ ጫቚት እትሓቍፍ ቆቛሕ እዩ፤ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ሃብቱ ይሓድጎ፤ ኣብ መወዳእታኡውን ዓሻ ይኸውን።
እንሆ ህዝብታት ስለ ሓዊ ንኽፅዕሩ፥ ኣህዛብውን ንኸንቱ ንኽደኽሙ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነዶ ኣይኮነን?
ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ስጋ፥ ባህጊ ዓይንን፥ ናይ ናብራ ትምክሕትን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን።