8 ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ “ሰብ በይኑ ኽነብር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ ዝሰማማዕ ሓጋዚ ንፍጠረሉ” በለ።
ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤ ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።
ሕዚኸ፥ ተስፋይ መን እዩ? እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን? ትዕግስተይውን ካባኻ እዩ።
ሞትን ሲኦልን ከም ዘይፀግቡ፥ ዓይኒ ወዲ ሰብውን ኣይፀግብን።
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝግበር ኵሉ ብጥበብ ክምርምርን ከፅንዕን ልበይ ኣትጋህኹ። እዙይ ከዓ ደቂ ሰብ ክደኽሙሉ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ከንቱ ፃዕሪ እዩ።
ኵሉ ነገር መድከሚ እዩ፤ ሰብ ብቓል ክገልፆ ኣይኽእልን፤ ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትፀግብን፤ እዝንውን ብምስማዕ ኣይትመልእን።
እንሆ፥ ብጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝፀዓረ ሰብ ንዘይደኸመሉ ሰብ እዩ ዘውርሶሞ፥ እዙይውን ከንቱን ዓብዪ ወፅዓን እዩ።
ኵሉ ዘመኑ ሓዘን፥ ፃዕርን ትካዘን እዩ፤ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይድቅስን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
ተመሊሰ ድማ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ከንቱ ነገር ረአኹ።
ገንዘብ ዝፈቱ ገንዘብ ኣይፀግብን፤ ሃብቲ ዝፈቱ ኸዓ ትርፊ ኣይፀግብን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
ንዅሉ ዝጠቅም ግና ንጉስ እታ ሃገር ማሕረስ ዝፈቱ እንተ ኾይኑ እዩ።
ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩስ፥ ንኻልእ እናሰጐጕኩም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፥ ገዛ ምስ ገዛ ንዘተሓሕዙ፥ ግራትውን ምስ ግራት ንዘቀራርቡ ወይለኦም!
ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥ ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤ ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥ ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”
“ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ።
እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ።
ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ስጋ፥ ባህጊ ዓይንን፥ ናይ ናብራ ትምክሕትን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን።