5 ዓሻ ኣእዳዉ ጠሚሩ ይቕመጥ፤ ንገዛ ስጋኡውን ይበልዕ።
ስጋይ ብስነይ እሕዝ ኣለኹ፤ ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ አንብር ኣለኹ።
ሕያዋይ ሰብ ንባዕሉ ፅቡቕ ይገብር፤ ጨካን ግና ንስጋኡ ይጐድእ።
ሃካይ ሰብ ሃዲኑ ዘምፅኦ እኳ ኣይጠብስን፤ ትግሃት ግና ንሰብ ዝኸበረ ሃብቲ እያ።
ነፍሲ ሃካይ ሰብ ትምነ፥ ግና ሓንቲኳ ኣይትረክብን፤ ነፍሲ ትጉሃት ግና የመና ትፀግብ።
ሃካይ ሰብ፥ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሓርስን፤ ኣብ ጊዜ ቐውዒ ድማ ይልምን፤ ግና ኣይረክብን።
ኣታ ሃካይ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትድቅስ? መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትስእ?
ጥበበኛ ሰብ ዝዛረቦ ሞገስ የውህቦ፤ ንዓሻ ግና ኸንፈሩ ይውሕጦ።
ሰብ ብየማኑ ይምንጥል፥ ግና ጥሜቱ ኣይዕገስን፤ ብፀጋምውን ይበልዕ፥ ግና ኣይፀግብን፤ ነፍሲ ወከፉ ስጋ ቅልፅሙ ይበልዕ።