2 ስለዙይ ኣነ “ካብቶም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ፥ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ኣመስገንኩ።”
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ስለ ዝኸበደኒ፥ ህይወት ፀላእኹ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ፅቡቕ ስም ካብ ክቡር ሽቱ ይበልፅ፤ ካብ መዓልቲ ልደትውን መዓልቲ ሞት ይበልፅ።
ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።