16 እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፤ እቶም ብድሕሪኡ ዝመፁ ግና ብእኡ ኣይሕጐሱን። እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስ ከም ምኽታል ከዓ እዩ።
ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ “እዝ ንጉስ ካብ ኢድ ፀላእትና ኣውፅአና፥ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሓነና፤ ሕዚ ኸዓ ብሰንኪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ።
ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ዓጂቦምዎ ወፁ፤ ደርፊውን ይደርፉ ነበሩ፤ የመና ኸዓ ተሓጐሱ፤ ብወኻዕታኦም ድማ ምድሪ ተናወፀት።
ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ተግባር ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ሽዑ ነቲ ዅሉ ኢደይ ዝሰርሐቶ ስራሐይን ነቲ ዝደኸምኩሉ ድኻመይን ተመልከትኩ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ፥ ንንፋስውን ከም ምኽታል ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ረብሓ የለን።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ስለ ዝኸበደኒ፥ ህይወት ፀላእኹ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
እግዚኣብሄር ነቲ ዘሐጕሶ ሰብ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፤ ንሓጥእ ግና ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ሰብ ምእንቲ ኽህቦስ፥ ክእክብን ክድልብን ከም ዝፅዕር ይገብሮ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ኣነ እቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝመላለሱ ኹሎም ህያዋን፥ ምስቲ ኽንድኡ ኽቐውም ዝተመደበ ኻልእ ጐበዝ ኮይኖም ረአኽዎም።