13 ካብ ምኽሪ ዘይቕበል ኣረጊትን ዓሻን ንጉስ፥ ድኻን ለባምን መንእሰይ ይሐይሽ።
ትውልዲ ያእቆብ ከምዙይ እዩ፦ ዮሴፍ ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት መንእሰይ ምስ ኮነ፥ ካብ ኣንስቲ ኣቦኡ ኻብ ባላን ዘለፋን ምስ ዝተወለዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቦኡ ኣባጊዕን ኣጣልን ይሕሉ ነበረ። ንሱ ብዛዕባ ሕማቕ ተግባር ኣሕዋቱ ነቦኡ የምፅአሉ ነበረ።
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንጥይቖ ሚክያስ ወዲ ይምላ ዝበሃል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፤ ግና ንሱ ኽፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ንጉስ፥ ከምኡ ኣይበል” በሎ።
እቲ ነቢይ እናተዛረበ እንተሎ ድማ እቲ ንጉስ “ናይ ንጉስ መማኸሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና? ሕደግ፤ ንምንታይ ቅፅዓት እትደሊ” በሎ። እቲ ነቢይ ድማ “እዙይ ብምግባርካ፥ ምኽረይ ከዓ ብዘይ ምስማዕኻ፥ እግዚኣብሄር ከጥፍአካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ” ኢሉ ሓደጎ።
ብኸናፍሩ ኻብ ዝውስልት ሰነፍ፥ ብዘይ ነውሪ ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
ብቐይናን መንገዲ ኻብ ዝኸይድ ሃብታም፥ ብቕንዕና ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።
ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ገዛእቲ፥ ጥበብ ንጥበበኛ ዝበለፀ ተበርትዖ።