12 እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።
ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዒላ ቤተ ልሔም፥ ማይ ቀዲሖም ንዳዊት ኣምፅኡሉ። ዳዊት ግና “ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ይኹን” ኢሉ ኣፍሰሶ እምበር፥ ክሰትዮ ኣይደለየን።
ካብቶም ሰላሳ ንላዕሊውን ይኸብር ነበረ፤ ከምቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይኮነን፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ ናይ ክብሪ ዘብዐኛታቱ ሸሞ።
ብድሕሪኡ ኸዓ ኤልያና ወዲ ዶዶ ኣሖሓዊ እዩ። ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ፤ ንሳቶም ነቶም ክዋግኡ ኣብኡ ዝተኣከቡ ፍልስጥኤማውያን እናላገፁ ምስ ኣለዓዓልዎም እቶም ሰብ እስራኤል ኣድሐርሐሩ።
ከምኡ ኸዓ ኽልቲኦም ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይማወቑ፤ ሓደ በይኑ እንተ ደቀሰ ግና፥ ከመይ ኢሉ ይመውቕ?
ካብ ምኽሪ ዘይቕበል ኣረጊትን ዓሻን ንጉስ፥ ድኻን ለባምን መንእሰይ ይሐይሽ።
ነቲ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሕብረት፥ ብመእሰሪ ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ፀዓሩ።