11 ከምኡ ኸዓ ኽልቲኦም ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይማወቑ፤ ሓደ በይኑ እንተ ደቀሰ ግና፥ ከመይ ኢሉ ይመውቕ?
ሓደ ኻብኣቶም እንተ ወደቐ እቲ ሓደ ኸተስኦ ይኽእል፤ ሓደ በይኑ እንተ ኾይኑ ግና፥ እንተ ወደቐ ዘተስኦ የብሉን እሞ፥ ወይለኡ።
እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።