10 ሓደ ኻብኣቶም እንተ ወደቐ እቲ ሓደ ኸተስኦ ይኽእል፤ ሓደ በይኑ እንተ ኾይኑ ግና፥ እንተ ወደቐ ዘተስኦ የብሉን እሞ፥ ወይለኡ።
ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል “ንበረኻ ንኺድ” በሎ። ኣብ በረኻ ምስ ከዱ ኸዓ፥ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ወቒዑ ቐተሎ።
መዋእል ሓዘና ምስ ሓለፈ ድማ፥ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸዓ ኾነት፤ ወዲውን ወለደትሉ። ግና እዝ ዅሉ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮነ።
ኣነ ገረድካ ኸዓ ኽልተ ኣወዳት ነበሩኒ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ዘገላግሎም ኣብ ዘይብሉ በረኻ ተባኢሶም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ።
ሙሴ ንኣሮን “እዝ ዓብዪ ሓጢኣት ዘምፃእኻሉስ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ገበረካ?” በሎ።
ከምኡ ኸዓ ኽልቲኦም ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይማወቑ፤ ሓደ በይኑ እንተ ደቀሰ ግና፥ ከመይ ኢሉ ይመውቕ?
ብፃዕሮም ፅቡቕ ረብሓ ኽረኽቡ ስለ ዝኽእሉ ኻብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ።
ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።
ስለዙይ፥ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፥ ንስንሳትኩምውን ተተባብዑ፤ እቲ ሓደውን ነቲ ሓደ ይህነፆ።
ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተሲኡ፥ ናብቲ ዳዊት ዘለዎ ናብ ሆረሽ ከደ፤ “እግዚኣብሄር ክሕልወካ እዩ” ኢሉውን ኣተባብዖ።