1 መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀናንዖም ኣይነበረን።
ነፍሰይ ክንዲ ነፍስኹም እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም ቃል መሳኻዕኹ፥ ርእሰይውን ኣብ ልዕሌኹም ምንቕናቕ ምተኽኣለኒ ነይሩ።
ካብ ብዝሒ ግፍዒ ዝተልዓለ ሰባት የእውዩ፤ ካብ ቅልፅም ሓያላት ዝተልዓለውን ዘናግፍ ንምርካብ ይፅውዑ።
በይዛኻትኩም ተመለሱ ደኣ፥ በደል ኣይኹን፤ ፅድቀይ በዝ ነገር እዙይ እዩሞ ሓደ ጊዜ ተመለሱ።
ምድሪ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ተውሂባ ኣላ፤ ገፅ እቶም ፈራዶ እውን ሸፈነ፤ ንሱ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ መን እዩ?
“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”
ናብ የማነይ ተመልከትኩ፤ ረአኹውን፤ ዝፈልጠኒውን ሰኣንኩ፤ መሕብኢውን የብለይን፤ ስለ ነፍሰይውን ዝመራመር የለን።
ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋንውን ብፅሒተይ ንስኻ ኢኻ በልኩ።
ኵልሻዕ ኣምላኽካ ኣበይ እዩ? እንትብሉኒ፥ ንብዓተይ መዓልትን ለይትን ቀለብ ኮነኒ።
ንእግዚኣብሄር፦ ንስኻ መፀግዕየይ ኢኻ፤ “ንምንታይ ረሳዕኻኒ? ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ?” እብሎ።
ነፍሰይ ፀርፍን ሓሳርን ተዓገሰት፤ ዘተሓዛዝነኒ ደለኹ፤ ግና ኣይረኸብኩን፤ ዘፀናንዐኒውን ሰኣንኩ።
ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፤ ንፅምአይውን መፂፅ ኣስተዩኒ።
እንጀራ ንብዓት ኣብላዕኻና፤ ብመስፈሪ ኸዓ ንብዓት ኣስተኻና።
“ነተን ዕብራውያት ኣንስቲ ኽተዋልደአን እንተለኽን፥ ወዲ እንተ ኾይኑ ቕተላኦ፤ ጓል እንተ ኾይና ግና ብህይወት ክትነብር ሕደጋኣ” በለን።
ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።
ንድኻ ዅሎም ኣሕዋቱ ይፀልእዎ፤ ፈተውቱ ግዳ ኻብኡ ኽንደይ ዘይርሕቑ! ብቓላት ይስዕቦም፥ ግናኸ ኣይረብሕዎን።
ንምስኪን ዘጨንቕ ሰብ፥ ከምቲ ኣዝመራ ዘጥፍእ ብርቱዕ ዝናም እዩ።
ፃድቃን እንተ በዝሑ፥ ህዝቢ ይሕጐስ፤ ረሲኣን እንተ ሰልጠኑ ግና ህዝቢ ይበኪ።
ኣነውን ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክንዲ ፍትሒ ኽፍኣት፥ ክንዲ ፅድቅውን ክፍኣት ከም ዘሎ ረአኹ።
ንሓደ ሹም፥ ካብኡ ልዕል ዝበለ ዝምልከቶ ኣሎ፤ ካብኣቶም ከዓ ልዕል ዝበለ ንዅሎም ዝምልከቶም ኣሎሞ፥ ድኻ እንትጥቃዕ፥ ኣብ ሓደ ሃገር ከዓ ፍርድን ፅድቅን ክጠፍእ እንተ ረአኻ፥ ኣይትገረም።
ግፍዒ ንጥበበኛ የዕብዶ፤ ጕቦውን ንልቡ የጥፍኦ።
እዝ ዅሉ ረአኹ፤ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ኸዓ ልበይ ኣቕናዕኹ፤ ሰብ ንሰብ ክጐድእ ገዛኢ ዝኾነሉ ጊዜ ኣሎ።
ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።
እኳ ደኣ ነቶም መጨነቕትኺ፥ ነቶም ከም ጭቃን ከም መንገድን፥ ረጊፅናኪ ኽንሓልፍስ ኣብ ምድሪ ለጥ በሊ፤ ንዝብሉኺ ኽህቦም እየ።”
ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐያ፤ ንፁህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፋ፤ ሓሳቦም ሓሳብ ክፍኣት እዩ፤ ጥፍኣትን ዕንወትን ድማ ኣብ መንገድታቶም ኣሎ።
ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ከፀናንዕዎም ኢሎም እንጀራ ሓዘን ኣይቘርሱሎምን እዮም። ኣቦታቶምን እኖታቶምን ንዝሞትዎም ከፀናንዑ ኢሎም መፀናንዒ ዝኸውን ብዋንጫ ዘስትዮም ኣይህሉን እዩ።
“ዘፀናንዐኒ ንነፍሰይውን ዘህድኣ ኻባይ ርሒቑ እዩሞ፥ ስለዙይ ኣነ እበኪ ኣለኹ፤ ኣዒንተይ ድማ ንብዓት የፍስሳ፤ ፀላኢ ስለ ዝበርትዐ ድማ ደቀይ ጠፊኦም እዮም።”
ፌ። ፅዮን ኣእዳዋ ዘርግሐት፤ ዘፀናንዓ ግና የለን፤ “እግዚኣብሄር ንያእቆብ ብዅሉ ወገን ዝኸቡዎ ፀላእቲ ኣዘዘሉ፤ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።”
ቤት። ብለይቲ ኣምሪራ ትበኪ፤ ንብዓታ ኣብ ምዕጕርታ ኣሎ። ካብቶም ናይ ቀደም ፈተውታ ዝነበሩ፥ ሓደ እኳ ዘፀናንዓ የለን። ኵሎም ፈተውታ ጠለምዋ፤ ኵሎም ከዓ ፀላእታ ኾኑ።
ጤት። ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ፤ መወዳእታኣ ኣይሓሰበቶን፤ ስለዙይ ውርደታ ዘገርም ኮነ፤ ዘፀናንዓውን የለን፤ ፀላኢ ልዕልና ረኺቡ እዩ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ መከራይ ረአ።
“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ነቶም ኣብ ኣደራሻት ኣዛጦንን፥ ኣብ ምድሪ ግብፅን ዝነብሩ “ኣብ ርእሲ እምባታት ሰማርያ ተኣከቡ፤ ነቲ ኣብ ማእኸላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ግፍዕን ተመልከቱ” ኢልኩም ኣውጁ።
እትገብርዎ ኻልእ ነገር ከዓ፦ “ንመስዋእቲ ስለ ዘይጥምቶ፥ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ስለ ዘይቕበሎን” ንመሰውኢ እግዚኣብሄር፥ ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይ ዋይታን ሸፈንኩምዎ።
ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እዝ ዅሉ ዝኾነ ግና፥ መፃሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኽፍፀሙ እዩ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም ሓዲጎምዎ ሃደሙ።
ፍረ ምድሪኹምን ኵሉ ፃዕሪኹምን ድማ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽበልዖ እዩ። ኵልሻዕ ከዓ ግፉዓትን ጭኑቓትን ክትኮኑ ኢኹም።
ስለዙይ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልኩም ፀላእትኹም ኣብ ጥሜትን ኣብ ፅምእን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝእዎም ኢኹም። ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ከዓ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድኩም ከንብሩልኩም እዮም።
እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።
ኢያቢስ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓፂን ነበሮ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራ ዓመት ብሓይሊ ገዝኦም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።