7 ንምቕዳድ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስፋይ ጊዜ ኣለዎ። ስቕ ንምባል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምዝራብ ጊዜ ኣለዎ።
ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ተመለሰ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ብጓሂ ኽዳኑ ቐደደ።
ያእቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ፥ ኣብ ሕቘኡ ወጮ ተዓጠቐ፤ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ በኸየ።
ሽዑ ይሁዳ ናብ ዮሴፍ ቀሪቡ ኸምዙይ በሎ፦ “ጐይታይ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ ኣለኹ። ንስኻ ኸም ፈርዖን ኢኻሞ፥ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣብ ሓሽከርካ ኣይንደድ።
ነዝ ወዲ እዙይ እንተይሓዝኩ ኸመይ ገይረ ናብ ኣቦይ ክድይብ እኽእል? እዝ ነቦይ ዝረኽቦ ኽፉእስ ክርኢ ኣይክእልን እየ” በሎ።
ሽዑ ዳዊት ብሓዘን ክዳውንቱ ቐደደ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።
ዳዊት ድማ ንኢዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን “ክዳውንትኹም ቅደዱ፤ ወጮ ተኸደኑ፤ ንኣበኔር ከዓ ብኸዩሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ።
ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
ንጉስ ሕዝቅያስ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ ሓደ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ፥ ክዳውንቱ ቐዲዱ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ካብ ለምፁ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፥ ዝቐትልን ዘሕውንስ፥ ኣነዶ ኣምላኽ እየ? ንሱ ምኽንያት ባእሲ ይደልየለይ ከም ዘሎዶ፥ ትሪኡ ኣለኹም” በለ።
እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኽመላለስ እንተሎ ኸዓ፥ እንሆ፥ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ወጮ ኸም ዝነበሮ እቲ ህዝቢ ረአየ።
ኣነን ህዝበይን ንጥፍኣትን ንማሕረድን ንምድምሳስን ተቐሪብና ኢና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሼጥና እንተንኸውንስ ስቕ ምበልኩ፤ ንኣኻ ንንጉስውን ኣይመሸገርኩኻን ነይረ። ሕዚ ግና እቲ ፀላኢ ኸጥፍአናን ክድምስሰናን እዩ መዲቡ ዘሎ” በለት።
ድሕሪዙይ ድማ ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ሸውዓተ መዓልትን ሸውዓተ ለይትን ምስኡ ቐነዩ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረአዩ ድማ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።
ስቕ ካብ ምባል ዝተልዓለ ኸም በሃም ኮንኩ፤ ንፅቡቕ ነገርኳ ስቕ በልኩ፤ ቍስለይውን ተሓደሰኒ።
ንምድላይ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምጥፋእውን ጊዜ ኣለዎ። ንምእካብ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድርባይውን ጊዜ ኣለዎ።
ንሳቶም ግና ሱቕ በሉ፤ ንጉስ ሕዝቅያስ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙዎም ስለ ዝነበረ፥ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን።
“ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ።
ዮድ። እግዚኣብሄር ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፥ ስቕ ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።
ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።
ስለዙይ፥ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፥ እቲ ለባም በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ዘመን ስቕ ይብል።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝማሬ ቤተ መቕደስ፥ ናብ ብኽያት ክልወጥ እዩ፤ ሬሳታት ሰብ ክበዝሕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸዓ፥ ብስቕታ ኽድርበዩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ንብፃይካ ኣይትእመኖ፥ ብዓርክኻ ድማ ኣይትተኣመን፤ ካብ ኣብ ሕቍፍኻ እትድቅስ ናይ ኣፍካ ደገ ሓሉ።
ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።
ሽዑ ጴጥሮስ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ፥ ናብ ደብሪ ኣደየብዎ፤ ኵለን እተን መበለታት ከዓ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢለን እናበኸያ፥ እቲ ጣቢታ ብህይወት ምስኣተን እንተላ ብኢዳ ዝኣለመቶ ቐማውሽን ክዳውንትን ኣርአያኦ።
ሳኦል ከዓ ንሓው ኣቦኡ “እተን ኣእዱግ ከም ዝተረኽባ ብርግፅ ነገረና” በሎ። እቲ ሳሙኤል ብዛዕባ ምንጋሱ ዝበሎ ግና ኣይነገሮን።