5 እምኒ ንምድርባይ ጊዜ ኣለዎ፤ እምኒ ንምእካብውን ጊዜ ኣለዎ። ንምትሕቝቛፍ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍልላይውን ጊዜ ኣለዎ።
ነተን ከተማታት ከዓ ኣፍረስወን፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ግራት ድማ ዅሎም እቶም ሰባት፥ ሓድሓደ እምኒ ደርብዮም መልእዎ፤ ንዅሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ድማ ቘረፅዎ። ኣእማን ቂርሓራሴት ጥራሕ ኣትረፉ፤ ንኣኣ ኸዓ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ወቕዑዋ።
ነቶም ህዝቢ ድማ “ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ፤ ናብ ሰበይቲ ኸዓ ኣይትቕረቡ” በሎም።
ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰሓቕውን ጊዜ ኣለዎ፤ ንሓዘን ጊዜ ኣለዎ፤ ንጐይላውን ጊዜ ኣለዎ።
ንምድላይ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምጥፋእውን ጊዜ ኣለዎ። ንምእካብ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድርባይውን ጊዜ ኣለዎ።
ህዝቢ ኣክቡ፤ ነቲ ጉባኤውን ቀድሱ፤ ንኣረጋውያን ኣክቡ፤ ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉ ህፃናትን ኣክቡ፤ መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ፥ መርዓት ከዓ ኻብ መጋረጃኣ ይውፅኡ።
ንፀሎት ክትተግሁ፥ ብዝተሰማማዕኹምሉ ጊዜ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትፈላለዩ። ንሰብነትኩም ምቍፅፃር ብዘይምኽኣልኩም፥ ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም፥ ብሓደ ኹኑ።
ኣጋ ዓራርቦ ፀሓይ ብትእዛዝ ኢያሱ፥ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ናብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ኣፍ በዓቲ፥ ዓበይቲ ኣእማን ተገይሩ ኣሎ።