Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 3:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰሓቕውን ጊዜ ኣለዎ፤ ንሓዘን ጊዜ ኣለዎ፤ ንጐይላውን ጊዜ ኣለዎ።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 3:4
23 Referencias Cruzadas  

ሳራውን፥ “እግዚኣብሄር ሰሓቕ ገበረለይ፤ ነዙይ ዝሰምዐ ዅሉውን ምሳይ ክስሕቕ እዩ” በለት።


እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ፥ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዘልልን ክስዕስዕን እንተሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።


ክብረይ ክትዝምረልካ፥ ስቕውን ከይትብልስ፥ ንብኽያተይ ናብ ታሕጓስ ለወጥካለይ፤ ወጮይ ቀንጢጥካ ታሕጓስ ኣዕጠቕካኒ።


ቍጥዓኡ ንሓፂር ጊዜ እዩ፤ ሞገሱ ግና ንምሉእ ዕድመ እዩ፤ ምሸት ብኽያት ይኸውን፤ ንግሆ ግና ሓጐስ ይኸውን።


ነቢይት ማርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተልዓለት፤ ኵለን ኣንስቲ ድማ ኸበሮ ሒዘን ብስዕስዒት ደድሕሪኣ ወፃ።


እምኒ ንምድርባይ ጊዜ ኣለዎ፤ እምኒ ንምእካብውን ጊዜ ኣለዎ። ንምትሕቝቛፍ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍልላይውን ጊዜ ኣለዎ።


ብመዓልቲ ሓጐስ ደስ ይበልካ፤ ብመዓልቲ መከራ ድማ ኣስተውዕል፤ ሰብ ብድሕሪኡ መርሚሩ ምእንቲ ኸይረክብ እግዚኣብሄር ነዙይን ነቱይን ከምኡ ገበሮ።


“ኣፀናንዑ፤ ንህዝበይ ኣፀናንዑ” ይብል ኣምላኽኩም።


ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።


ከምዙይ ከዓ ይብልዎም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን።’


ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ፥ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙን ክሓዝኑን ይኽእሉ ድዮም? ግና መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ እሞ፥ ሽዑ ኽፆሙ እዮም።


ጐረባብታን ኣዝማዳን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ።


ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።


ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ።


ሕዘኑን ጕሃዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፥ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos